'ፍቕሪ ስዒሩ!' ናይ'ዚ ዘበና ምርጽቲ ደርፊ ሒዞም ኣብ ኣደባባይ ዝወጹ ኪነ ጥበባዊያን ኤርትራዊ ካሕሳይ በርሀን ኢትዮጵያዊ ሰለሞን ባይረን ነታ ደርፊ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት ኣማሓይሾምን ከሺኖምን ናብ ህዝቢ ከምዘቕረቡ ይዛረቡ። ኣገራሚ'ዩ!
ገለ ካብ ግጥምታት 'ፍቕሪ ስዒሩ' ክንወከሰኩም፣
ፍቕሪ፣ ፍቕሪ፣ ፍቕሪ ስዒሩ፣ ፍቕሪ፣
ጸግዒ ሓዘልና ጽልኢ።
ፍቕሪ፣ ፍቕሪ፣ ፍቕሪ ስዒሩ፣ ፍቕሪ፣
ታይ ይሳኣኖ ፈጣሪ።
ሰላምና የብዛሓዮ ንዘልኣለም፣ ኣብነት ኮይና ንዓለም።
ፍቕሪ እንተሃልዩ ዘይብጻሕ የለን።
ደጊም ጽልኢ ውጻእ፣ ፍቕሪ እቶ፣
ከም’ታ ቀደምና ኣብ ራህዋን ጸበባን ንተሓዋወስ ንፋቶ።
ሓሊፉ’ወ ኩሉ፣
ሰላም ኮይኑ።
ደቂ ክልተ አደ፣ ደቂ ሓደ ርባ፣
ላዕላይ ታሕታይ ዓዲ፣
መካፍልቲ ጸባ፣
ናይ ኣሕዋት ዘረባ።
ዘይከም’ዚኣ እንታይ ደልየ፣ ዘይከምዚኣየ፣
ባህገይ ሰሚሩለይ፣ ሰላም ሪኤየ።
ተወሊዑ’ዶ ፋኑስ ተወሊዑ’የ፣
ፈጣሪ ጸሎትና ሰሚዑ’የ።