ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደረጃ መዳቢ ’ፊች‘ ንኢትዮዽያ ይመዝና


ሪቻርድ ፋክስ
ሪቻርድ ፋክስ
ኢትዮዽያ ከምፅርግያታት፣መንገዲ ባቡርን ማያዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ዝኣምሰሉ ህንፀት መሰረተ ልምዓት፣ ብመዳይ ሕርሻ ውሕስነት መግቢ ኣብ ምርግጋፅን ኣዝያ ዕውቲ ትኸውን‘ላ። እዚ ፕሮጀክታት‘ዚ ብመንግስታዊ በጀት ወይካኣ ካብ ኣሜሪካ፣ ዓባይ ብሪጣንያ፣ጀርመንን ካልኦትን ብዝርከብ ልቃሕ‘ዩ ዝካየድ ዘሎ።

ህንፀት መሰረተ ልምዓት ኣብ ኢትዮዽያ ኣዝዩ ገዚፍ ስለዝኾነ ኢትዮዽያ ኣብ መፃኢ ካልእ ምንጪ ገንዘብ ስለዘድልያ ምንፃር ደረጃ ኣድልዩዋ ኣሎ ይብል ሪቸርድ ፎክስ።ካልእ ኢትዮዽያ ደረጃኣ ንክትፈልጥ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነሉ ምኽንያት፣እታ ሃገር ኣብ ካርታ ኢንቨስትመንት ሃገራት ክትኣቱ ስለዘሐግዛ‘ዩ።

ሃገራት ንኢንቨስትመንት ማዕፆና ከፊትና ኣለና ስለዝበላ ጥራሕ ተረባሕቲ ኣይኾናን።ቀጥታዊ ኢንቨትስመንት ወፃኢ፣ኩባንያታት ወፃኢ ናብ ሓንቲ ሃገር ኣትዮም ንመሰረተ ልምዓት ንክሰርሑ ድልየቶም ክገልፁ ከለው፣ደረጃ‘ተን ዝዋፈሩለን ሃገራት ኣቀዲሙ ክፍለጥ ኣለዎ።ኢትዮዽያ ትገብሮ ዘላ‘ውን እዚ‘ዩ ይብል ሪቸርድ ፋክስ።

“ዝተፈላለዩ ሰባትን ወገናትን ንኢትዮዽያ ክዝክሩ ከለው ናብ ሓንጎሎም ዝመፀሎም ኣብ ሕሉፍ ዘጋጠመ ጥሜትን ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን‘ዩ። ሎሚ ግና ነገራት ተለዊጦም‘ዮም።ኢትዮዽያ ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ ንዓለም ነገራት ከም‘ቲ ዝነበርዎ ኣይኮኑን ዘለው‘ያ“ትብሎም ዘላ ይብል ሪቸርድ ፎክስ።
ንሙሉእ ሪፖርት ኣዳምፁ
please wait

No media source currently available

0:00 0:09:16 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG