ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ሚዛን ልቓሓ ብሓደ ደረጃ ጎዲሉ


ፋይል
ፋይል

ፊች ዝተባህለ ሓደ ካብቶም ናይ ኣመሪካ ዝለዓሉ ሰለስተ ናይ ልቓሕ መዘንቲ ዝዀኑ ትካላት፡ ኢትዮጵያ ክትከፍሎ ዝነበራ ወለድ ዕዳ ድሕሪ ምስጋራ፡ ሚዛን ልቓሓ እታ ሃገር ትማሊ ረቡዕ ጎዲሉ'ሎ። እቲ ትካል ነታ ካብ ናይ ሓደ ቢልዮን ዩሮቦንድ፡ 33 ሚልዮን ወለድ ክትከፍል ዘይክኣለት ኢትዮጵያ፡ "restricted default" ማለት ዕደአን “ንምኽፋል ኣብ ዘይከኣላ ኣከራኻሪ መስመር” ዝብል ምድብ’ዩ ኣቐሚጡዋ ዘሎ።

እቲ ትካል ግን ንዘቤታዊ ባጤራ እታ ሃገር መጠኑ ከም ዘይለወጦ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ይሕብር።

ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕጂ እዋን ምስ ገለ ካብቶም ኣለቃሕቲ ኣብ ዝርርብ ከም ዘላ ይፍለጥ። ካብ መንጎ’ተን ነታ ሃገር ዓቢ ዕዳ ዘለቅሓ ዝዀነት ቻይና፡ ናይ 1.5 ቢልዮን ዶላር ምሕረት ክትገብር ኣብ ስምምዕ ምብጻሐን ይሕበር።

ንምትዕርራይ ቍጠባዊ መሓውራት ኣገባባትን ምስ ዓለማዊ ማዕከን ገንዘብ (IMF) ተደጋጋሚ ርክብ ዘካየዱ መራሕቲ ኢትዮጵያ፡ ዛጊት ግን ኣብ መረዳድኢ ነጥቢ ኣይበጽሑን።

ድሕሪ ኣዕናዊ ውግእ ሰሜን ኢትዮጵያ፡ እታ ሃገር ናብ ንቡር ሕውየት ንምምላስ ኣስታት 20 ቢልዮን ዶላር ከም ዘድልያ ኣመሪካ ትግምግም። ኣብዚ ሕጂ እዋን 28 ቢልዮን ልቓሕ ዘለዋ ኢትዮጵያ፡ እቲ ቍጠባዊ ቅልውላው ኣብ መነባብሮ ዜጋታት ዓቢ ተጽዕኖ ፈጢሩ ምህላዉ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ይጠቅስ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG