ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዓለምለኸ ውድድር ሮቦት ዋሽንግተን ዲሲ ዝተሳተፈት ጋንታ ቡሩንዲ ተሰዊራ


ዓለምለኸ ውድድር ሮቦት ዋሽንግተን ዲሲ
ዓለምለኸ ውድድር ሮቦት ዋሽንግተን ዲሲ

ሽዱሽተ መንእሰያት ዝኣባላታ ኣብ ዓለምለኸ ውድድር ሮቦት ዋሽንግተን ዲሲ ዝተሳተፈት ጋንታ ቡሩንዲ: ድሕሪ'ቲ ግጥማት ከምዝተሰወረት ተሓቢሩ።

ዓለምለኸ ውድድር ሮቦት ዋሽንግተን ዲሲ ተማሃሮ ኣብ ዓውድታት ፍልጠት ሕሳብን ሳይንስን ከተኩሩ ዝተባብዕ ኮይኑ ካብ 150 ሃገራት ከምዝተሳተፍዎ ድማ ተገሊጹ።

ኣዳለውቲ መደብ ዓለምለኸ ውድድር ሮቦት ዋሺንግተን ዲሲ: ምጥፋእ ኣባላት ጋንታ ቡሩንዲ ዝሓለፈ ሰሉስ ከምዝተሓበሮምን ብኡንብኡ ድማ ንፖሊስ ምሕባሮም ተጠቒሱ።

ጋንታ ሮቦት ቡሩንዲ ኣርባዕተ ደቂ ተባዕትዮን ክልተ ደቂ ኣንስትዮን ዝሓቖፈት እያ። እተን ደቂ ኣንስትዮ 17 ዝዕድመአን ክኾና ከለዋ: እቶም ደቂ ተባዕትዮ ድማ ካብ 16 ክሳብ 18 ዝዕድሚኦም ከምዝኾኑ ብተወሳኺ ተፈሊጡ።

XS
SM
MD
LG