ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

97 ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ኢጣልያ ግዒዞም


ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢጣልያን ካልኦት ትካላትን ብዝተበጽሐ ውዕል መሰረት ኣስታት 100 ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ኢጣልያ ምግዓዞም ኣሶሴይትድ ፕረስ ሓቢሩ።

ኣብ 2023 መንግስቲ ኢጣልያ ምስ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ዝተፈላለዩ ማሕበረሰብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን ብምትሕብባር ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመታት 1,500 ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ካብ ሊብያ ናብ ኢጣልያ ንምግዓዝ ምፍራሙ ይዝከር።

ብመሰረት እዚ ድማ 55 ደቂ ኣንስትዮን 27 ህፃናትን ዝርከብዎም ካብ ኢትዮጵያ፣ ኤርትራ፣ ሶርያ፣ ሶማልን ደቡብ ሱዳንን ዝመጹ ፈላሞት 97 ስደተኛታት ትማሊ ሰሉስ 5 መጋቢት 2024 ካብ ሊብያ ናብ ኢጣልያ ምግዓዞም ሰበስልጣን ኢጣልያ ገሊፆም።

ከም ሓበሬታ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ተረባሕቲ ናይዚ ፕሮጀክት ብሰንኪ ኲናት፡መጥቃዕትን ዓመፅን ካብ ሃገሮም ክወፁ ተገዲዶም ንግዚኡ ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ስደተኛታት ምዃኖም ይሕብር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG