ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ፋብሪካ ርቺ ታይላንድ ብዘጋጠመ ባርዕ 20 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ታይላንድ፡ ኣብ ሓደ ፋብሪካ ርቺ (ኣርተፊሻላዊ ሓዊ ወይ fireworks) ብዝተፈጠር ባርዕ፡ ብውሑዱ 20 ሰባት ምሟቶምን ቍጽሮም ዛጊት ዘይተንጸረ ምቝሳሎምን ንምንጭታት ፖሊስ እታ ሃገር ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸይትድ ፕረስ ኣስፊሩ።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ምስልታት ከም ዘርእዮ፡ እቲ ፋብሪካ ምሉእ ብምሉቕ ተቓጺሉ’ዩ።

ዝሓለፈ ዓመት ኣብቲ ፋብሪካ ተመሳሳሊ ሓደጋ ኣጋጢሙ ሓደ ሰራሕተኛ ምሟቱን፡ ካልኦት ሰለስተ ድማ ምቝሳሎም ዜና ኣሶሸይትድ ፕረስ የመልክት።

ብዘይካኡ ኣብ ክልተ ቦታታት ታይላንድ፡ ዝሓለፈ ዓመት ብዝተፈጥረ ምብራዕ ሓደጋ ኣብ ሓደ ፋብሪካ 10 ሰባት ሞይቶም 100 ድማ ቆሲሎም። ኣብ ካልእ ከተማ ድማ ብዝተፈጥረ ተመሳሳሊ ሓደጋ ኣስታት 100 ኣባይቲ ተቓጺሉ።

ኣቐዲሙ ዘጋጠመ ባርዕ፡ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ቻይና፡ ጠለብ ርችታት ኣዝዩ ኣብ ዝዓበየሉ እዋን’ዩ ነይሩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG