ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓዊ ኣብ ጥቓ ኬፕ-ታውን ዘጋጠመ ባርዕ ንምክልኻል ይቃለሱ


ልዕሊ 300 ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓዊ ኣብ ጥቓ ኬፕ-ታውን ደቡብ ኣፍሪቃ ዘጋጠመ ባርዕ መሮር ንምጥፋእ ካልኣይ መዓልቶም ሒዞም ኣለዉ።

ነበርቲ `ውን ካብቲ ከባቢ ከምዝርሕቑ ኣብ ዝግበረሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብቲ ቃልሲ ምጥፋእ ሓ ዊ ሓሙሽተ ሰራሕተኛታት ቆሲሎም ኣለዉ። ወሃቢ ቓል ህጹጽ ኣገልግሎት`ታ ከተማ ጀርመይን ካረልሰ እቲ ባርዕ ናብ ካልእ ከይልሕም ከም ዝተቖጻጸርዎ ኣፍሊጡ`ሎ።

ባርዕ መሮር ኣብ ግዜ ደረቕ ወቕቲ ነቲ ጥቓ ኬፕ-ታውን ዘሎ ጎቦታት ከጥቅዕ ዝውቱር`ዩ። ኣብ 2021 ዘጋጠመ ሰፊሕ ባርዕ ሓዊ እንተላይ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኬፕ-ታውን ዝርከብ ታሪኻዊ ቅርጽታት እንተላይ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኬፕ-ታውን ዝርከብ ታሪኻዊ ቅርስታት ንኣስታት 10 ህንጻታት ኣዕኒዩ`ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG