ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓዊ፡ ኣብቲ ብሰሉስ ጀሚሩ ንሓያሎ ከባቢታት ከተማ ሎስ-ኣንጀለስ ሃሚዅ ዘሎ ባርዕ ጫካ ንምጥፋእ ይቃለሱ ኣለዉ። እቲ ባርዕ ንኣሽሓት ነበርቲ ገዛውቶም ገዲፎም ክሃዱም ደሪኹ ኣሎ ይብል ጸብጻብ ኣሶሸይትድ ፕረስ።
ኣብ በበይኑ ከባቢታት ሎስ ኣንጀለስ ዝለሓመ ባርዕ ዱር፡ ንነበርቲ ኣንፊጹ፡ ነቶም ምስ ኵሉ መሰናኽላት ዝቃለሱ ዘለዉ ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓዊ ድማ ስራሕቶም ይሓላልኾ ከም ዘሎ ይገልጹ። በብእዋኑ ዝርአ ዘሎ ብርቱዕ ንፋስን ስእነት ኣብዚ ወርሓት ዝርአ ጠሊ ዝሓዞ ንፋስን ነቲ ባርዕ መሊሱ የጋድዶ ኣሎ።
እቲ ባርዕ ናብ መንበሪታት ሃብታማትን መብዛሕትኦም ድምጻውያንን ተዋሳእቲን ኣብ ዝነብሩሉ ኣከባቢ ካላባስን ሳንታሞኒካን ብምዕጥቃዑ፡ ንኣባይቶም ሃሚዅ ኣሎ።
ካሊፎርኒያ ብዙሕ እዋን ብባርዕ ጫካ ትጥቃዕ እኳ እንተዀነት፡ ናይ ሎሚ ግን ካብቲ ልሙድ ወቕቲ ዝቐልጠፈን ካልእ ክፋል ኣመሪካ ብበረድ ተሸፊኑሉ ኣብ ዘሎ እዋን’ዩ። ነቲ ባርዕ ንምዕራፍ ዝሕግዝ ዝናብ ክበኵር ስለ ዝኽእል፡ እቲ ምቅጻል ሓዊ ንዝመጽእ ኣዋርሕ’ውን ክቕጽል ከም ዝኽእል ሰብ-መዚ ይገልጹ።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን ህዝባዊ ቅልውላው ኢሉ ብምእዋጅ፡ ኣባላት ክብሪ ዘብዐኛ ኣብቲ መስርሕ ክሳተፉን ትእዛዝ ሂቡ ኣሎ።
ኣስታት ክልተ ሽሕ ዝበጽሕ ኣባይቲ፡ ትካላት ንግዲን ካልእ ትሕተ-ቅርጺን በቲ ሓዊ ተሃሚዅ ኣሎ። ዛጊት ልዕሊ ሽዱሽተ ኣብያተ-ትምህርቲ ፈሪሱን ዓንዩን። እቲ ዕንወት ክውስኽ ከም ዝኽእል ኣሶሸይትድ ፕረስ ይእምት።
ሓይሊ መብራህቲን ማይን ብምጥፋኡ ነቲ ዘሎ ሽግር መሊሱ ኣብኢሱዎ ከም ዘሎ ነበርቲ ይዛረቡ።
ማርክ ማክሚላን ነባሪ ቶምፓጋ ዝተባህለ ኣከባቢ ሎስ-ኣንጀለስ’ዩ። ድሕሪ’ቲ ባርዕ ነበርቲ ገጢሙዎም ዘሎ ኩነታት ከብርህ እንከሎ፤
“ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓዊ ጽቡቕ ምትሕብባር የርእዩና ኣለዉ። እንተዀነ እኹል ቀረብ የብሎምን። ምስቲ ዘሎ ብዙሕ ሕጽረታት ኵሉ ሰብ ብዝከኣሎን ዘለዎን ይቃለስ ኣሎ። እቲ ቀንዲ ጸገም ሕጽረት ማይ’ዩ ዘሎ። ኵሉ ሰብ ከኣ ክረኽቦ ካብ ዝኽእል ዕቋር ባስካታት ማይ ይጥቀም ኣሎ።”
ኣብቲ ቶምፓጋ ዝተባህለ ኣከባቢ ጥራይ እቲ ባርዕ ሓዊ ንኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ሄክታር ዝበጽሕ መሬት ሃሚዅ ኣሎ።
እቲ ብርቱዕ ባርዕ ብኣዝዩ ቅልጡፍ ፍጥነትን ኣብ ጽዑቕ ኣከባቢን ብምዃኑ ድማ ንምጥፋኡ ዝግበር ጻዕሪ መሊሱ ከም ዝሓላለኾ ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓዊ ይገልጹ። ሓያሎ ዜጋታት መኪናታቶም ኣብ ጽርግያ ራሕሪሖም ብምህዳሞም’ውን ንመካይን መጥፋእቲ ሓዊ ስራሕቶም ከይሳልጡ ምትዕንቓፋት ፈጢሩ ምህላዉ ተሓቢሩ።
ኣስታት 130-ሽሕ ህዝቢ ካብ መንበሪታቶም ናብ ዝሓሸ ወገን ክግዕዙ መምርሒ ተዋሂቡ ኣሎ። ክሳብ ትማሊ ረቡዕ ኣስታት 330-ሽሕ ነበርቲ ብዘይ ሓይሊ መብራህቲ ተሪፎም ነይሮም ።
ቅጥዒ