ዋሽንግተን —
ኣብ ሰሜናዊ ሶማል ከተማ ሃርጌሳ ዝርከብ ዕዳጋ ብቐዳም ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ 28 ሰባት ምቑሳሎምን ሓያሎ ኣብያተ ንግዲ ምዕናዎምን ሰበ ስልጣን'ታ ከተማን መሰኻኽር ዓይኒን ሓቢሮም ኣለው።
ብመሰረት ሓበሬታ መሰኻኽር ዓይኒ እቲ ባርዕ ሓዊ ካብ ሓደ ዝኣረገ መኽዘን ጀሚሩ ብሓይሊ ንፋስ ናብ ምሉእ እቲ ዕዳጋ ከምዝተጋፍሓን ብዙሕ ደርቢታት ኣብ ዘለዎ ህንፃ ዝነበሩ መደብራት እንዳ ሻሂ:ቤት መግቢ: መሸጣ ኤሌክቶኒክን ምዕናዎም ተሓቢሩ'ሎ።
ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ሙሴ ቢሂት ሽውዓተ ደቂ ኣንስትዮ ሓዊሱ ዕስራን ሸሞንተን ሰባት ከምዝቖሰሉ ነቲ ቦታ ኣብ ዝተዓዘብሉ እዋን ገሊፆም።በቲ ሓደጋ ዝሞተ ሰብ ግን የለን።