No media source currently available
ብሰንኪ ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት ኡምራኩባ ሱዳን ዘጋጠመ ሓደጋ ሓዊ፣ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብን ንብረትን ጉድኣት ኣጋጢሙ ኣሎ። እቲ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ናብ ሎሚ ሓሙስ 4 ግንቦት 2023 ኣብ ዘውገሐ ለይቲ ኣብ ሰዓታት ወጋሕታ ከምዝተላዓለን ንብርክት ዝበሉ ተወላዶ ትግራይ ይቕመጥሉ ዝነበሩ ኣባይቲን ስፍራ ዕዳጋ ከምዘባረዐን ንክልተ ህጻናት ከምዝቐተለን ካብ’ቲ ከባቢ ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦ ዮናስ ደባልቀው ገሊጹ።