ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህንጻ ፓርላማ ካሜሮን ብባርዕ ሓዊ ተሃሚኹ


ባርዕ ሓዊ ንህንጻ ፓርላማ ካሜሮን ምዕናው ተገሊጹ።ጠንቂ’ቲ ባርዕ ሓዊ ዝምልከት ምርመራ ይኻየድ ምህላው’ውን ተገሊጹ። ነቲ ትማሊ ለይቲ ዝተላዕለ ባርዕ ሓዊ ንምጥፋእ ብኣማኢት ዝቑጸሩ አባላት መጥፋእቲ ሓዊ ኣብ ህንጻ ፓርላማ ካሜሮም ምውፋሮም’ውን ተገሊጹ።

ሓደ ካብ አባላት መጥፋእቲ ሓዊ ሱል ኑዱንዳት ከምዚ ይብል።

“ራብዓይ ደርቢ እቲ ህንጻ ምሉእ ንምሉእ ነዲዱ’ዩ ጸኒሑና ስለዚ ነቲ ክድሕን ዝኽእል ጥራይ ከነድሕን ተቓሊስና።”

ኣብ ሰዓታት ወጋሕታ ኣርባዕተ ደርብታት እቲ ህንጻ ምዕናዎም ተገሊጹ።

ወሃቢ ቃል መንግስቲ ካሜሮን ኢሳ ትስሮማ ጠንቂ እቲ ባርዕ ንምጽራይ ምርመራ ይካየድ ምህላው ሓቢሮም።

“ እቲ ባርዕ ሃንደበት እዩ ጀሚሩ። እቲ ሃገራዊ ባይቶ ኩሉ ጊዜ ልዑል ስልጠና ዘለዎም እሙናትን ውፉያት ኣባላት ኣብ ጽኑዕ ሃለዋ እዩ።” ድሕሪ ምባል “ እቲ ቅድሚ ክልተ መዓልታት ዝጀመረ አኼባ ፓርላማ እታ ሃገር ግን ክቅጽል እዩ” ኢሎም።

እንተኾነ ቀንዲ ተቓዋሚ ፓርቲ ኤስ ዲ ኤፍ ንኣኼባ ፓርላማ ከምዘተዓናቕፍ ድሕሪ ምግላጾም ድሕሪ ክልተ መዓልታት እቲ ባርዕ ምግጣሙ ሕቶታት ኣልዒሉ ኣሎ።

መንግስቲ ኣብ ጉዳይ እቲ ኣብ ክልተ ቋንቋ እንግሊዝ ተዛረብቲ ዝኾነ ዞባታት እታ ሃገር ንነዊሕ ዝጸንሓ ተቓውሞ መዓልቦ ክረኽብ 15 አባላት ፓርላማ ክሓቱ ምጽንሖም እውን ተፈሊጡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG