ዋሽንግተን —
ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ቤት ማእሰርቲ ንዝተፈትሑ አባል ኣመራርሓ ፈደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ አቶ ደጀኔ ጣፋ ኣቀባብላ ንምግባር ትማሊ ብሓያለ መኻይን ይጉዓዙ ኣብ መንጎ ዝነበሩ ሰባት ብዘጋጠመ ሓደጋ መኪና ህይወት ሰብ ምጥፍኡን ጉድኣት ምብጽሑን ሓደ ካብ ኣተሓባበርቲ አቶ አማዶ ሃማኒ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም።
ኣብ ከተማ ሻሸመኔ 2 ሽሕ ዝኾኑ እሱራት ኣብ ዝነብርሉ ቤት ማእሰርቲ ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ንምህዳም ፈቲንኩም ዝተባህሉ ካብ ሓይልታት ጸጥታ ብዝተተኮሰ ጥይት ሓደ ሰብ ከምዝሞተ ከንቲባ እታ ከተማ ወ/ሮ ጠይባ ሃሰን ገሊጸን።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።