ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣቶ ስብሓት ነጋን ዶ/ር ኣረጋዊ በርሀን ኣብ ትሕዝቶ መፅሓፍ 'ፍኖተ ገድሊ' ይካትዑ


ቀዳማይ ክፋል

ኣቶ ብስራት ኣማረ ዝጥቅሳ ኣኽሱም ኣዝያ ዝፀበበትን ምናልባሽ ንትግራይ-ትግርኚት ጥራሕ ዝምልከትን ኮይኑ'ዩ ተሰሚዑዎ ግዲ ይብሉ ዶ/ር ኣረጋዊ በርሀ።ከምእምነት ዶ/ር ኣረጋዊ ጥንታዊት ኣኽሱም ንደቡባዊ ኢትዮጵያን ንከባቢ ቀይሕ ባሕሪን'ውን ዘጠቃለለ እዩ።

ኣቶ ስብሓት ነጋ ብወገኖም፣ጥንታዊት ኣኽሱም ንተምቤንን ዓጋመን ተጠቃልል እንተነይራ ርግፀኛ ኣይኮንኩን።መፅሓፍ ፍኖተ-ገድሊ ከም መፅሓፍ ታሪኽ ኢትዮጵያ ዳግም ክፀሓፍ ከምዝግባእ ዘዘኻኸረት ኮይን'የ ረኺበያ ኢሎም።

ክልቲኦም ኣብ ታሪኽ ገድሊ ህወሓት ርኡይ ተራ ዝነበሮም ውልቀ-ሳባት ኣብ ጉዳይ ኹናት ዓድዋን ሳዕቤኑን፣ህወሓትን ውድባት ኤርትራን፣ደርቂ 77 ዓ/ምን ካልኦትን ዝሃብዎ ሪኢቶ ብተኸታታሊ ክነቅርበልኩም ኢና።

XS
SM
MD
LG