ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰራሕተኛታት ፋብሪካ ሽኮር ፊንጫ ደሞዝ ኣይተኸፈለናን ክብሉ ጥርዓን ኣቕሪቦም


ሰራሕተኛታት ፋብሪካ ሽኮር ፊንጫ ናይ ክልተ ወርሒ ደሞዞም ከምዘይተኸፍሎምን ብሰንኪ እዚ ድማ ምስ ምስ ስድራቤቶም ንጸገም ተቓሊዖም ከምዝርከቡ ንድምጺ ኣመሪካ ተዛሪቦም።

ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ሆሮ ጉዱሩ ወለጋ ዝርከብ ፋብሪካ ሽኮር ፊንጫ ካብ 20 ግንቦት 2013 ጀሚሩ ስራሕ ምቁራፁ ዝገለፁ እቶም ሰራሕተኛታት ከምኡ'ውን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ነቲ ኸባቢ ተቆፃፂሩዎ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብዝበፅሖ ጉድኣት ስጋብ ሐጂ እቲ ፋብሪካ ስራሕ ዘይምጅማሩ እቶም ሰራሕተኛታት ወሲኾም ይገልጹ።

ንጥርዓናት እቶም ሰራሕተኛታት ኣመልኪትና ካብ ኣመራርሓ እቲ ፋብሪካ መልሲ ንምርካብ ዝገበርናዮ ተደጋጋሚ ፃዕሪ ኣይሰለጠን። ብኣንፃሩ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ እቲ ሓበሬታ ከምዝበጽሖ ብምግላፅ እቲ ፋብሪካ ናብ ንቡር ስራሑ ክምለስን መሃያ ሰራሕተኛታቱ ክኸፍልን ምኽራዊ ሓሳቡ ኣቅሪቡ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG