ዋሽንግተን —
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር ዘሎ ጸገም ናህሪ ናብራ ንምርግጋእ ፡ደሞዝ ብምውሳኽን ድጎማ ብምግባርን ይሰርሕ ከምዘሎ ሚኒስተር ገንዘብ ዶ/ር ኢዮብ ተካልኝ ምስ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መጠይቕ ኣፍሊጡ።
ዶ/ር ኢዮብ ተካልኝ ንናህሪ ናብራ ንምርግጋእ ዝውዕል 200 ቢልየን ብር ባጀት ንባይቶ ከም ዝሓቱ'ውን ኣብቲ ቃለ-መሕትት ጠቒሱ`ሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሸርፊ ወጻኢ ንምትዕርራይ ብዝብል ኣብ ዕዳጋ ዝምርኮስ ሸርፊን ወለድን ምትእትታዉ ይፍለጥ።
ዶ/ር ኢዮብ እቲ ለውጢ ኣብ ቁጠባ ከቢድ ምዝባዕ ኣይፈጠረን ይብል። እንተኾነ እቲ ኣብ ዕዳጋ ዝተመርኮሰ ሸርፊ፡ ዋጋ ሃለኽቲ ነገራት ክንህር ምግባሩ ተዓዘብቲ ይገልጹ።
ብተወሳኺ'ቲ ለውጢ ዝቕባበ ገንዘብ`ውን ክውስኽ ምኽኣሉ ዝተፈላለዩ ወገናት ይሕብሩ።
ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ(ኣይ.ኤም.ኤፍ)፡ ነቲ ኢትዮጵያ ዝወሰደቶ ለውጢ ከም ዝደገፈ ዝገልጽ ሚንስተር ገንዘብ ኢትዮጵያ ግን ፡እቲ ናይ ሸርፊ ለውጢ ንኩነታት ቁጠባ`ታ ሃገር ከም ዘህደኦ ይገልጽ።
ቅጥዒ