ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዝተወስደ ስጉምቲ ንምትዕርራይ ሸርፊን ወለድን ንቁጠባ ኢትዮጵያ ከም ዘህደኦ ሚ/ገንዘብ ኣፍሊጦም


ሚኒስተር ገንዘብ ዶ/ር ኢዮብ ተካልኝ
ሚኒስተር ገንዘብ ዶ/ር ኢዮብ ተካልኝ

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር ዘሎ ጸገም ናህሪ ናብራ ንምርግጋእ ፡ደሞዝ ብምውሳኽን ድጎማ ብምግባርን ይሰርሕ ከምዘሎ ሚኒስተር ገንዘብ ዶ/ር ኢዮብ ተካልኝ ምስ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መጠይቕ ኣፍሊጡ።

ዶ/ር ኢዮብ ተካልኝ ንናህሪ ናብራ ንምርግጋእ ዝውዕል 200 ቢልየን ብር ባጀት ንባይቶ ከም ዝሓቱ'ውን ኣብቲ ቃለ-መሕትት ጠቒሱ`ሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሸርፊ ወጻኢ ንምትዕርራይ ብዝብል ኣብ ዕዳጋ ዝምርኮስ ሸርፊን ወለድን ምትእትታዉ ይፍለጥ።

ዶ/ር ኢዮብ እቲ ለውጢ ኣብ ቁጠባ ከቢድ ምዝባዕ ኣይፈጠረን ይብል። እንተኾነ እቲ ኣብ ዕዳጋ ዝተመርኮሰ ሸርፊ፡ ዋጋ ሃለኽቲ ነገራት ክንህር ምግባሩ ተዓዘብቲ ይገልጹ።

ብተወሳኺ'ቲ ለውጢ ዝቕባበ ገንዘብ`ውን ክውስኽ ምኽኣሉ ዝተፈላለዩ ወገናት ይሕብሩ።

ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ(ኣይ.ኤም.ኤፍ)፡ ነቲ ኢትዮጵያ ዝወሰደቶ ለውጢ ከም ዝደገፈ ዝገልጽ ሚንስተር ገንዘብ ኢትዮጵያ ግን ፡እቲ ናይ ሸርፊ ለውጢ ንኩነታት ቁጠባ`ታ ሃገር ከም ዘህደኦ ይገልጽ።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG