ኣብ ምጅማር ዕጥቃዊ ቃልሲ ህ.ወ.ሓ.ት ጠሚቱ ፅንዓት ተጋደልቲ ዝገልፅ ‘ሙሴ’ ብዝብል መፀውዒ ዝተሰርሐ ፊልም ትግርኛ ለካቲት 11 ኣብ ከተማ መቐለ ተመሪቑ።
ነቲ ፊልም ዝፅሓፍዎን ዘሰናድእዎን ኪነ-ጥበባዊያን መንኣሰይ ፀጋይ ሓዱሽን ብርሃነ ንጉሰን ንስነ-ፅሑፍ'ታ ፊልም ንምፅሓፍ ዝሕግዝ መረዳእታ ቅድሚ 13 ዓመት ኣትሒዞም ምእካብ ከምዝጀመሩ ይገልፁ።ብኣካል ንዘለዉ ነባራት ተጋደልቲ ብምዝርራብ፣ኣብ ሙሴን ኣብ ኣጠቓላሊ እቲ ቓልሲ ተመስሪቶም ዝተፃሓፉ መፅሓፍትን ጋዜጣታትትን ከምኡ እውን ንቤት ፅሕፈት ህ.ወ.ሓ.ት ብምዝርራብን ክእከብ ከምዝተኻኣለ ገሊፆም።
“እቲ ታሪኽ ንሙሴ ከም ወካሊ ገፀ ባህሪ ተጠቒምሉ እምበር ቀንዲ ጠመተ ዝሃበሉስ ኣብ ፅንዓት ቃልሲ ተጋደልቲ ህ.ወ.ሓ.ት እዩ። እምበር ኣብ ታሪኽ ውልቀ ተጋዳለይ ብምጥማት ናይ ሓደ ታሪኽ ሓፍ ኣቢልካ ናይ ካልእ ንምትሓት ኣይኮነን’’ ይብል ኣሰናዳኢ እቲ ፊልም ብርሃነ ንጉሰ።
እቲ ፊልም ክንዲ ዝካኣል ብጥንቃቐ ዝተሰርሐን ሓላፍ ዘላፍ ከይህልዎ ድማ እቶም ኣብቲ ታሪኽ ምስራሕ ዝተሳተፉ ተጋደልቲ ነቲ ፅሑፍ ክሪእይዎ ከምዝተገብረን ደራሲ እቲ ፅሑፍ ፀጋይ ሓዱሽ ይዛረብ።
ሙሴ ዝብል ርእሲ ዝተዋሃበሉ ምኽንያት ድማ ተጋዳላይ ሙሴ ምስ ብፆቱ ንዝነበሮ ፅንዓት ብምጉላህ ካብቲ ብደርጊ ተኣሲርሉ ዝነበረ ቤት ማእሰርቲ ሽረ ንምውፃእ ዝተገብረ ዝተገብረ ስርሒት ንምግላፅ ከምዝኾነ ብርሃነ የረድእ።
ሙሴ ንምስራሕ ሓያል ሕፅረት ገንዘብ ከምዘጓነፎም እቶም መናእሰይ ይገልፁ። እቲ ፊልም ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብቲ ቃልሲ ህ.ወ.ሓ.ት ዝተጠጀአሉ በረኻ ደደቢት ተቑሪፁ ኣብ ሆሊውድ ከምዝተወሃሃደ ደራስን ኣሰናዳእን ብርሃነ ተዛሪቡ።
“ነቲ ዝተሰርሐ ታሪኽ ብምልኡ ኣብ ፊልም ምክታት ኣፀጋሚ እዩ ኮይኑ ግና ነቶም ገለፅቲ ዝባሃሉ ቀንዲ ፍፃመታት ምንፅብራቕ ከምዝተኻኣለ ዘይተኻተቱ ሓቅታት ድማ ክህልዉ ከምዝኽእሉ ርዱእ ክግበር ኣለዎ” ኢሉ ደርሲ ፀጋይ ሓዱሽ።
እዛ ክልተ ሳዓትን ርብዕን ዝንውሓታ ፊልም ፕሬስደንት ግርማ ወልደጊዮርግስ ኣብ ዝተረኸብሉ ስነ-ስርዓት ኣብ ቤተ መንግስቲ ኣዲስ ኣበባ ከምኡ ድማ ብርክት ዝበሉ ዕዱማት ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ኣዳራሽ ሓወልቲ ሰማእታት መቐለ ተመሪቓ ኣላ። ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ኣብ ከተማታት ሽረን ጎንደርን ከምትምረቕ ኣሰናዳእቲ እታ ፊልም ኣፍሊጦም።
ጉድለት የብላን ምባል ኣይካኣልን ይብሉ ነታ ፊልም ዝሰርሑ