ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምስ ካሕሳይ ኣብራሃ ዝተካየደ ዕላል ብዛዕባ መፅሓፍ ‘ፍቅሪ ዓሲምባ’


ካሕሳይ ኣብራሃ
ካሕሳይ ኣብራሃ

ካሕሳይ ኣብርሃ ካብ 1968 ክሳብ 1970 ዓ.ም ኣባል ኢህኣፓ ወይ ድማ ኢህኣሰ ኮይኑ ኣብ ዝተቓለሰሉ እዋን ዘሕለፎ ህይወት ዝድህስስ መፅሓፍ ታሪክ ንንባብ ኣብቂዑ’ሎ።

እቲ መጽሓፍ ሰለስተ ዓበይቲ ዕላማታት ኣለዎ ይብል ካሕሳይ “ሕሉፍ ታሪኽ ከም ዘለዎ ብትኽክለኛ መንገዲ ክፀሓፍ ከምዝግባእ፤ እቲ ታሪክ ቅኑዕ ድዩ ነይሩ ወይስ ጌጋ ብዘየገድስ እቲ ሀዚ ዘሎን መፃኢን ወለዶ ብዛዕባ እቲ ዝሓለፈ ታሪክ ብግልፂ ክዝረብን ክትንተንን ስለዝተደለየ እዩ። ካልኣይ ድማ ኣብቲ እዋን ብወገን ኢትዮጲያን ኤርትራን ብዙሓት መናእሰይ ኣብ ውሽጢ ቃልሲ ህይወቶም ከፊሎም እዮም፤ ኣብቲ ኣነ ዝነበርኩሉ ዝሓለፉ ጀጋኑ ዝነበሮም ኣንደበቶም፣ጅግንነቶም ታሪኾምን ሃይማኖቶምን ከይፈለኹ ንኽዝክሮምን ታሪኾም ንኽፃሓፈሎምን ዝዓለመ እዩ። ስድራን አዕሩኽን እዞም ዝተሰውኡ ጀጋኑ ብፆት እንታይ ዓይነት ስብእና ከምዝነበሮም ፈሊጦም ብኣኣቶም ክኾርዑ ስለዝደለኹን እየ ፅሒፈዮ” ይብል።

ፀሓፊ እቲ መጽሓፍ ካብ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ናፃ ኮይኑ ከምዝፀሓፎን ካብዚ ብምብጋስ ድማ እቲ መጽሓፍ ኣብ ብዙሓት ተቐባልነት ከምዝረኸበን ይዛረብ።

እቲ ዝሓለፈ ወለዶ ኣፈላላዩ ብዘተን ክትዕን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ክፈትሕ ስለዘይካኣለ ነንባዕሉ ተሃናዂቱ በዚ ድማ ንዙሓት ሊቃውንቲ ህይወቶም ከምዝኸፈሉ እዚ ክድገም ከምዘይብሉ እዚ ናይ ሎሚ ወለዶ ክመሃረሉ ይግባእ ይብል ካሕሳይ ኣብርሃ።

ካሕሳይ እቲ ምስ ኢህኣፓ ተሰሊፉ ዘሕለፎ ተጋድሎ ንድሕሪት ምልስ ኢሉ ክዝክሮ እንተሎ ዝያዳ ከምዝኾርዐሉ ይገልፅ።

እቲ ‘የዓሲምባ ፍቅር’ ብዝብል ኣርእስቲ ብኣምሓርኛ ተፃሒፉ ዘሎ መጽሓፍ ኣብዚ ሐዚ እዋን ናብ ትግርኛ ተተርጕሙ ምስ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ብምትሕግጋዝ ተሓቲሙ ናብ ህዝቢ ክቐርብ ኣብ ምዝርራብ ከምዝርከብ ካሕሳይ ገሊፁ’ሎ።

ንሙሉእ ቃለ-መጠይቅ ተኸታተሉ
please wait

No media source currently available

0:00 0:09:39 0:00
መራገፊ

XS
SM
MD
LG