ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወሃቢ ቃል ሓይልታት ትግራይ ኣብ ከባቢታት መቐለ ውግእ ይካየድ ኣሎ ይብሉ ኢትዮቴሌኮም ድማ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ዝተቖፃፀሮም ከባቢታት ትግራይ ኣገልግሎት ስልኪ ንምሃብ ይፅዕር ኣለኹ ኢሉ


ኣብ ከባቢታት ከተማ መቐለ ውግእ ከምዝቐፀለን ሰራዊቶም ከምዝተዓወተን ወሃቢ ቃል ሓይልታት ትግራይ ተዛሪቦም።ኣብ ከባቢታት ከተማ መቐለ ከቢድ ኵናት ይካየድ ከምዘሎን ኣብ ልዕሊ ወራሪ ሓይሊ ኢሎም ዝፀውዕዎ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኪሳራ ምውራዱን ወሃቢ ቃል ሓልታት ትግራይ ገብረ ገብረፃዲቕ ሎማዕንቲ ንቴሌቪዥን ትግራይ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ገሊፆም።

ካብ ከተማ መቐለ ውፅእ ኢሉ ኣብ ሩባ ሰገንን ዶንጎላትን ንዝመፀ ሓይሊ ‘’ሓይልታትና ንድሕሪት ከምዝመለሶን ኣብቶም ዝሓለፉ ሰለስተ ማዕልታት ግጥማት ን11 ታንክታት ኣቃፂሉን’’ ኣሎ ኢሎም።

ናይ ኢትዮጵያ ሓይልታት ምክልኻል ተዳኺሙ ኣሎ ዝበሉ ንሶም ዝዋግአና ዘሎ ሰራዊት ኤርትራ እዩ ኢሎም።

እቲ ንሶም ዝበሉዎ ዓወትን ኵናትን ብኻሊእ ኣካል ኣይተረጋገፀን።እንተኾነ ግን ናይ ኢትዮጵያ ፌደራል ፖሊስ ኮሚሽን ፍሉይ ኮማንዶን ናይ ገበን ምርመራን ጉጅለ ከተማ መቐለ ምእታው ንኮሚሽን ፖልስ ዝተጠቐሰ ፋና ብሮድካስቲንግ ገሊፁ ኣሎ።

ብኻሊእ ዜና ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ዝቆፃፀሮም ከባቢታት ትግራይ ናይ ቴሌኮሚኒኬሽን ኣገልግሎት ምሃብ ዘኽእሉ መሰረተ ልምዓታት ናይ ምፅጋን ፃዕርታት ይግበር ከምዘሎ ናይ ኢትዮቴሌኮም ዋና ፈፃሚት ስራሕ ፍረህይወት ታምህሩ ገሊፀን።

‘’ኣብ ዳንሻ፣ሕመራ፣ኣብ ሸራሮን ማይፀብርን ከምኡ እውን ኣብ ማይ ካድራ ብኽፋል ሰሪሑ ኣሎ’’ኢለን።ኣብ ኣላማጣ ምሉእ ብምሉእ ምስራሕ ብምጅማሩ ባንክታትን ካልኦት ዓማዊልናን ኣገልግሎት ክረኽቡ ኣኽኢልናዮም ኣለና እውን ኢለን።

ብቐፃልነት እውን ሰራሕተኛታተን ኣብ ኩሉ ኣንፈት ተዋፊሮም ዝተበተኹ መስመራት ንምፅጋን ይንቀሳቐሱ ኣለው ኣገልግሎት ንምሃብ ድማ ስሩዕ ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክህሊ ስለዘለዎን ምስ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣብ ምስራሕ ንርከብ ኣለና ኢለን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።


Recommended

XS
SM
MD
LG