ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብርቱዕ ኲናት ኣብ ከተማ ኻርቱም ይካየድ ምህላው ነበርቲ ገሊጾም


ኣብ ሱዳን ሎሚ ሰሉስ ብርቱዕ ውግእ ውዒሉ። እቲ ውግእ ኣብ ምዕራባዊ ሸነኽ ከተማ ኦምዱርማን ሰራዊት ሱዳን ንተቀናቀንቶም ናብታ ከተማ ንምእታው ዝጥቀሙሎም መገድታት ክዓፁ ብምፍታኖም ዝተላዕለ እዩ።

መጥቃዕትታት ሰራዊት ሱዳን ደብዳባት ኣየርን ከበድቲ ተተኮስትን ዝሓወሰ ኾይኑ ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ኦምዱርማን ድማ ምልውዋጥ ተኹሲ ከምዝነበረ መሰኻኽር ዓይኒ ተዛሪቦም። ሓይልታት ቅልጡፍ ሓገዝ ወሃቢ ነፋሪት ኲናት ወቂዖም ምውዳቆም ክገልፁ ከለዉ ገለ ነበርቲ'ውን ፓይለት ካብታ ነፋሪት ክወርድ ከሎ ዘርኢ ምስሊ ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ኣውጺኦም ኣለው።ነዚ ብዝምልከት ካብ ሰራዊት'ታ ሃገር ዛጊት ዝተዋህበ መብርሂን የለን።

ሓይልታት ቅልጡፍ ሓገዝ ወሃቢ ንቀንዲ ቦታታት ዋና ከተማ ዝተቆጻጸሩ ኮይኖም እቲ ውግእ እናሓየለ ምስ ከደ ድማ ካብ ዳርፉርን ኮርዶፋን ተወሰኽቲ ተዋጋእቲ ብምምፃእ ናብ ባሕሪን ኻርቱምን ኣሕሊፍዎም ኣሕሊፉዎም ኣሎ ።

ነበርቲ ኡምዱርማን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ካብቲ ዝሓለፈ ክብድ ዝበለ ምዃኑ ይገልፁ። ሓይሊታት መንግስቲ ቦታታት ንምሓዝ ኣብ ዝፍትነሉ ዘሎ እዋን ሓይልታት ቅልጡፍ ሓገዝ ወሃቢ ኣንፃር ነቑጣታት ፖሊስ ዝገብሮ መጥቃዕቲ ክፃወሮ ዘይምኽኣሉ ፀብፃብ ሮይተርስ የመልክት።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG