ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሪፓብሊካን ተወዳደርቲ አብ ጉዳይ ሽበራን ጸጥታን ይጋጨዉ


ትማሊ አብ ዝተካየደ መበል 5ይ ክትዕ ሪፓብሊካን ተወዳደርቲ ንፕረዝደንት አሜሪካ፡ ሃገራዊ ጸጥታን ፓሊሲ ወጻኢ ጉዳያት ቀንዲ መከራከሪ ኣርእስትታት’ዮም ኔይሮም።

እዚ ዝኾነሉ ዋና ምክንያት አብ ጽባሕ መጥቓዕቲ ግብረ-ሽበራ አብ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ዓለም ካብ ህዝቢ ዝተአከበ ርእይቶ ኣተኩሮ ህዝቢ አሜሪካ አብ ጉዳይ ጸጥታ ዝለዓለ ምኳኑ ብምምልካቱ’ዩ።

ድሕሪ ግብረ-ሽበራዊ መጥቓዕትታት ፓሪስን ካሊፎርንያን ንመጀመርያ ጊዜ ዝተካየደ ክትዕ ሪፓብሊካን ተወዳደርቲ ንፕረዝደንት አሜሪካ ነቲ አብ ህዝቢ ኣሜሪካ ዝጸንሐ ትኩረት ጸጥታ አሓዲስዎ’ዩ።

በዓል ጸጋ ረፓብሊካን ተወዳዳሪ ዶላንድ ትራፕ አብዚ ናይ ትማሊ ክትዕ አብቲ አኸራኻሪ ኮይኑ ዝጸንሓ ንኣሜሪካዊያን ዘይኾኑ ኣመንቲ እስልምና ናብ ኣሜሪካ ከይኣትው ክክልከሉ አለዎም ዝብል ውጥኑ ብፍላይ ድማ ነቲ ካብ አመሓዳሪ ክፍለ-ግዝአት ፍሎሪዳ ነበር ጄብ ቡሽ ንዝመጸሉ ዝነበረ ቅልጡፍ ግብረ-መልሲ አብ ምኽልካል’ዩ ተጸሚዱ ኔይሩ።

‘ ብዛዕባ ሃይማኖት ኣይኮናን ንዛረብ ዘለና ዘዛርብ ዘሎ ጉዳይ ጸጥታ’ዩ። ሃገርና ካብ ቁጽጽር ወጻኢ’ያ ዘላ' ዝበሉ ዶላንድ ትራፕ 'እዚ ውጥን ካብ ተከተልቲ እስልምና ዝነብርሉ ክፋል ዓለም ዝንጽለና’ዩ ኣድላይ ምስ ዝከውን አብቲ አንጻር ዳዕሽ ዝካየድ ቃልሲ ምትሕብባር ከድልይ ይኸውን። ዶላንድ ንዋዛ ጽቡቕ’ዩ እንተኾነ ግን ከም ተወዳዳሪ ንምርጫ ፕረዝደንትን ከም ፕረዝደንትን ግን ሕንፍሽፍስ ዝበለ’ዩ' ዝብል ግብረ መልሲ'ዮም ሂቦም መወዳድርቶም ጄብ ቡሽ።

ምሉእ ትሕዝቶ ንምስማዕ አብዚ ጠዉቑ።

ሪፓብሊካን ተወዳደርቲ አብ ጉዳይ ሽበራን ጸጥታን ይጋጨዉ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:11 0:00

XS
SM
MD
LG