ዋሽንግተን —
ኣብ ማእኸላይ ላይበርያ ሓንቲ ናይ ቤንዚን ቦጥ ናብ ሓደ ኣብ መንገዲ ዝነበረ ጉድጓድ ድሕሪ ምእታዋ ብዝተላዕለ ባርዕ ሓዊ ብዉሑዱ15 ሰባት ከም ዝተቀትሉ ፖሊስ ኣፍሊጡ።
እታ ቤንዚን ጽዒና ዝነበረት ቦጥ ናብቲ ሓደጋ ዝኣተወት ኣብ ወረዳ ቦንጋ ክኸውን ከሎ ሰባት ኣብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ከባቢ ኣብ ዝተኣከብሉ ካልኦት 30-ምቁሳሎም ፖሊስ ኣፍሊጡ’ሎ።
ምኽትል ኢንስፔክተር ጀነራል ሃገራዊ ፖሊስ ላይበርያ ፕሪንስ ሙሉባህ ዝሞቱ 15 ሰባት’ዮም ግን ብዙሓት በቲ ባርዕ ዝነደዱ ኣለዉ ኢሎም።
ሓደ ካልእ ፖሊስ ከኣ እቲ ቤንዚን ክፈስስ ምስ ጀመረ ገለ ነበርቲ’ቲ ከባቢ ካብቲ ዝፈስስ ዝነበረ ንምውሳድ ኣብ ዝፈትንሉ ዝነበረ እዋን እታ ቦጥ ከምዝተተኮሰትን ሽዑ ኣብኡ ዝነበሩ ገለ ሰባት በቲ ሓደጋ ዝሞቱን ዝቆሰሉን ከምዘለው ሓቢሩ።
ቅጥዒ