ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ናይጀርያ ብዘጋጠመ ምጥሓል ጀልባ 15 ህጻናት ሞይቶም


ኣብ ናይጀርያ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምጥሓል ጃልባ 15 ህጻናት ሞይቶም ካልኦት 25 ድማ ገና ሃለዋቶም ኣይተረኽበን ክብሉ ከባቢያዊ ሰበ-ስልጣን ።

እቶም ቆልዑት ዕንጨይቲ ንክኣርዩ ሩባ ክሰግሩ ክብሉ`ዮም ጃልባ ጥሒላቶም።

ኣብ ናይጀርያ ሓደጋታት ሩባ ዝውቱር`ዩ። ዝበዝሐ ግዜ ድማ ብሰንኪ ልዕሊ ዓቐን ጽዕነት ጀላቡ፡ ጽቡቕ ጽገና ዘይተገብረለን ጀላቡ፡ ኣብ እዋን ሓያል ክረምቲ ድማ ከቢድ ውሕጅን፡ ንመምርሕታት መንግስቲ ዕሽሽ ምባልን ከም ዘጠቓልል ተዓዘብቲ ይገልጹ።ሻጋሪ ዝተባህለ ፈለግ ናይጀርያ ድማ ሓደ ካብ ብዝሒ ሓደጋታት ዘጋጥመሉ ሩባ`ዩ።

ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ`ውን ብተመሳሳሊ ቆልዑ ዕንጨይቲ ክኣርዩ ክብሉ ናብ ስግር ሩባ ሻጋሪ ክሰግሩ ክብሉ ጃልባ ጥሒላ 29 ቆልዑት ምሟቶም ይዝከር።

ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ድማ፡ድሕሪ ከቢድ ዝናብን ውሕጅን ኣብ ግዝኣት ኣናምብራ ናይጀርያ 76 ሰባት ጥሒሎም።

ካብ መንጎ ዝኸፍአ ሓደጋታት ወሓይዝ ናይጀርያ፡ ኣብ 2021 ዘጋጠመ፡ 170 ሰባት ጽዒና እናኸደት ብምስባራ ልዕሊ 150 ሰባት ዝሞትሉ ፍጻመ'ዩ።

ኣብ ናይጀርያ ንዕዳጋን ካልኢ ዋኒናትን፡መጓዓዝያ ማያት ልሙድ`ዩ ፡ መብዛሕቲኡ ግዜ ድማ፡ መምርሕታት ብዘይምኽባርን ልዕሊ ዓቐን ብምጽዓንን ዘጋጥም ሓደጋ ንጥፍኣት ብዙሓት የቃልዕ። ጽርግያታት ድማ ከም ኣማራጺ`ኳ ከየገልግል፡ ብዙሕ ግዜ ሕማቕ ምዃኑ`ዩ ይግለጽ።

XS
SM
MD
LG