ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፅዋዕ ዓለም ንሓምሻይ መዓልቲ ሎሚ ሶኒ ቀፂሉ


ናይጀርያ - ኢራን
ናይጀርያ - ኢራን
ናይ ሎም-ዘበን ግጥማት ፅዋዕ ዓለም ሎሚ ሶኒይ ንሓምሻይ መዓልቲ ቀፂሉ።ኣቀዲመን ዝተጋጠማ ጋንታታት ጀርመንን ፖርቹጋልን‘የን።መራሒት ጀርመን ኣንጌላ መርኬል ብኣካል ኣብ ዝተረኸባሉ ስታድየም‘ዩ እቲ ግጥም ተካይዱ።

ቀዲማ ብፍፁም ቅላዕ መቅፃዕቲ ኣብ መበል ዓስራይ ደቂቃ ሸቶ ዘመዝገበት ጋንታ ጀርመን‘ያ።ብሙለር ኣቢላ።እቲ ፀወታ ብዙሕ ከይተራኣየሉ፣ኮኸብ ተሰላፋይ ፖርቹጋል ሮናልዶ‘ውን ለውጢ ዘምፅእ ፀወታ ከይኣርኣየ ቀፂሉ። ጀርመን ኣብ መበል 32 ደቂቃ ካብ ኩርናዕ ንዝተላኣኸት ኩዕሶ ምስ መርበብ ብምርኻብ ካልኣይቲ ሸቶ ኣመዝጊባ።ቶማስ ሙለር እንደገና ኣብ መበል 45 ደቂቃ ካልኣይ ንርእሱ ሳልሳይ ንጋንትኡ ሸቶ ኣመዝጊቡ። ጀርመን ሰለስተ ንባዶ ዕረፍቲ ኮይኑ።ኣብ መበል ሰብዓን ሸውዓተን ደቂቃ ቶማስ ሙለር ሃት-ትሪክ ሰሪሑ።ኣብ ሓደ ግጥም ሰለስተ ሸቶታት ምምዝጋብ ማለት‘ዩ።ኣብ ናይ ሎም-ዘበን ግጥማት ፅዋዕ ዓለም ሃት ሪክ ኣቀዳሙ ዘመዝገበ ጀርመናዊ ቶማስ ሙለር ኮይኑ‘ሎ።ብሓፈሽኡ ጀርመን ኣርባዕተ፣ፖርቹጋል ባዶ።

ናይጀርያን ኢራንን ናይ ሎሚ ካልኣይ ግጥም ኣብ ምክያድ ይርከባ። ስዒበን ዝጋጠማ ጋናን ኣሜሪካን።

ቀዳምን ሰንበትን ኣብ ዝተሳለጡ ግጥማት፣ቀዳም ኮሎምብያ ንግሪክ ሰለስተ ንባዶ፣ኮስታሪካ ንኡሩጓይ ሰለስተ ንሓደ፣ጣልያን ንኢንግለንድ ክልተ ንሓደ፣ ኣይቮሪኮስት ንጃፓን ክልተ ንሓደ ክስዕራ ከለዋ፣ትማሊ ሰንበት ስዊሰርላንድ ሰለስተ ንባዶ፣ፈረንሳ ንኢኾዶር ሰለስተ ንባዶ፣ኣርጀንቲና ንቦስንያ ሄርዘጎቭንያ ክልተ ንሓደ ስዒረን‘ለዋ።

ብዝተኣሳሰረ ዜና ጋንታ ኣይቮሪኮስት ኣብ ልዕሊ ጃፓን ዘመዝገበቶ ገዚፍ ዓወት ንቀፃላይ ግጥማት ወሳናይ ዓቅሚ ከምዝፈጥረላ ይዝረብ‘ሎ። ኣይቮሪኮስት ሓደ ንባዶ ክሳብ ሰብዓ ደቃይቅ ብጃፓን ትምራሕ ነይራ።እቲ ውሩይ ተፃዋቲኣ ድድየር ድሮግባ ተቀይሩ ድሕሪ ምእታው ግና መልክዕ‘ቲ ፀወታ ተቀይሩ።ኣይቮሪኮስት ኣብ ውሽጢ ሚእቲ ሰኮንዳት ክልተ ሸቶታት ካብ ሓደ መኣዝን ንዝሰገራ ኩዓሳሱ ብብልሓት ኣመዝጊባ ክልተ ንሓደ ተዓዊታን ሰለስተ ነጥቢ ሒዛን ወፂኣ‘ላ።

ብኣንፃሩ ጋንታ ካሜሩን ምስ ሜክሲኮ ዘካየደቶ ግጥም ኣዝዩ ደረጅኡ ዝተሓተ‘ዩ ነይሩ።ተሰለፍቲ ካሜሩን ሓቦን ንሒን ሓፂርዎም ተራእዮም ነይሮም።ብጠንቂ‘ቲ ስዕረት፣ካሜሩን ምስ ክሮኤሽያ ተካይዶ ካልኣይ ግጥም እንተተሳዒራ፣ኣኺልዋ ካብ‘ቲ ግጥም ትባረር ቀዳመይቲ ጋንታ ክትከውን‘ያ ማለት‘ዩ።ዘሕፍር‘ዩ።ጋንታ ክሮኤሽያ‘ውን ብተመሳሳሊ እንተተሳዒራ እታ ቀዳመይቲ ዝተሰጎገት ጋንታ ክትኮን‘ያ።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ተሰላፋይ ጋንታ ካሜሩን ሳሙኤል ኢቶ ብጠንቂ ጉድኣት ኣብ‘ቲ ጋንትኡ ይፅበያ ዘሎ ወሳናይን ካልኣይን ግጥም ኣንፃር ክሮኤሽያ ከምዘይፃወት ተፈሊጡ።ንጋንታ ካሜሩን ኪሳራ ድዩ ፅቡቅ ኣጋጣሚ ኣይተፈልጠን።ምኽንያቱ ኣብ ብርክት ዝበሉ ተንተንቲ ስፖርት፣ ሳሙኤል ኤቶ ንካሜሩን ጠቂሙዋ‘ዶ ሃስዩዋ? ኣብ ዝብል ተገራጫዊ ገምጋም ስለዝተፈጥረ።

ፅባሕ ሰሉስ ኣልጀርያ ምስ ቤልጅየም፣ብራዚል ምስ ሜክሲኮ፣ሩስያ ምስ ደቡብ ኮርያ ክጋጠማ‘የን።
XS
SM
MD
LG