ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮትዲቭዋርን እንግሊዝን ተሳዒረን


ፅዋዕ ዓለም ብራዚል 2014
ፅዋዕ ዓለም ብራዚል 2014
ፅዋዕ ዓለም ብራዚል 2014 ንኣፍሪቃ ዝሓዘላ ሰናይ ዜና ዛጊድ ኣይተረኸበን።ኣብ ክንድኡ ዘሸቁርርን ዘሕንኽን ታሪኽ ተፃወቲ ጋንታ ካሜሩን ኮይኑ‘ሎ።

መቊሽሽና ኣቀዲምኩም እንተዘይከፊልኩምና ንብራዚል ኣይንብገስን ኢሎም ገና ካብ ወጋሕትኡ ኣብ ዓዶም ከለው ዝሓንገዱ ሚልየነራት ፕሮፈሽናል ተፃወቲ ካሜሩን፣ናብ ብራዚል ኣትዮም‘ውን መጀመርተኦምን መወዳእቶኦምን ስዕረትን ውርደትን ኮይኑ‘ሎ።ንዝወከልዋ ኣፍሪቃ‘ውን ከምኡ።

ሞንጎኛ ኣብ ቀዳማይ ግጥም ኣንፃር ሜክሲኮ ክልተ ክሳዓራ ዘይግበአን ሸቶታት ኣትሪፉሎም‘ምበር ሰለስተ ንባዶ‘ዩ ክትሳዓር ነይርዋ ካሜሩን።ትማሊ ረቡዕ ድማ ምስ ክሮኤሽያ ተማሓይሻ ናብ ሜዳ ክትኣቱ‘ያ ተባሂሉ ትፅቢት እናተገበረ ከሎ ካብ ዝሓመቀ ናብ ዝኸፍአ ብርኪ ኣንቆልቊላ።ምስ ባርሴሎና ብደረጃ ፕሮፈሽናልነት ዝፃወት ኣሌክስ ሶንግ ንተፃዋታይ ክሮኤሽያ ኣብ ቅድሚ ዳኛ ሕቆኡ ደሲቅዎ።ብቅፅበት ካብ ሜዳ ብቀይሕ ካርድ ተባሪሩ።ጋንትኡ ድማ ኣርባዕተ ንዜሮ ተሳዒራ።ካብ‘ዚ ዝኸፍአ ገለ ተሰለፍቲ‘ታ ጋንታ ነንርእሶም ኣብ ማእከል ሜዳ ብቴስታ ክቀላልዑ‘ዮም ተራእዮም።ተቆኒን ይመፃ‘ሞ ተላፅየን ይምለሳ ከምዝባሃል ማለት‘ዩ።

ጋንታ ካሜሩን ናብ ብራዚል 2014 ዝበቅዐት ንግጥማት መፃረዪ ኣፍሪቃ መሊኣ ስለዝተዓወተት ኣይነበረን።ኣብ ክንድኡ ኣብ ምድባ ዝነበረት ቶጎ ንዘይግባኣ ተፃዋታይ ስለዘሰለፈት ካብ ዝሳዓረቶ ግጥም ሰለስተ ነጥቢ ተመንጢላ ንካሜሩን ስለዝተዋሃበ‘ምበር።ብዝኾነ ካሜሩን ናይ መወዳእታ ግጥም ኣንፃር ብራዚል ይፅበያ‘ሎ።ንብራዚል ኣዝዩ ወሳኒ ግጥም፣ንካሜሩን ግና ትርጉም ዘይብሉ‘ዩ።ብራዚል ክትሓልፍ እንተኾይኑ ንካሜሩን ክትስዕራ ኣለዋ።ካልኦት እንተታት‘ውን ኣለው።ምኽንያቱ፣ክሮኤሽያን ሜክሲኮን‘ውን ናይ ምሕላፍ ዕድል ስለዘለወን።ካሜሩን ግና ኣኺልዋ።

ናብ ናይ ሎሚ ሓሙስ ግጥማት ክንመልሰኩም፣ኣቀዲመን ዝተጋጠማ ጋንታታት ኣይቮሪኮስትን ኮሎምብያን‘የን።ክልቲኤን ጋንታታት ኣብ ቀዳማይ ፀወታ ንመጋጥምተን ስዒረን ሰሰለስተ ነጥቢታት ሒዘን ዝፀንሓ‘የን።ኣብ‘ዚ ናይ ሎሚ ግጥም ምዕዋት ማለት ቅፅበታዊ ምሕላፍ ናብ ቀፃላይ ምዕራፍ ማለት ምኳኑ ተገንዚበን‘የን ናብ ሜዳ ኣትየን።

እቲ ፀወታ ተጀሚሩ፣እንተኾነ ክልቲኤን ጋንታታት ሓደገኛን ሸቶ ክትከውን ትኽእል ኩዕሶ ከይቀልዑን ከይፈተኑን ካምቢያ ኮይኑ።ማዕረ ምፍልላይ ይኣኽለና ዝበሉ‘ውን ይመስሉ ነይሮም።ምኽንያቱ ናይ ነጥቢ ብልጫ ስለዘለወን፣ብሕልፊ ጃፓንን ግሪክን ማዕረ እንተተፈላልየን፣ናብ ቀፃላይ ምዕራፍ ዝሓልፋ ክልቲኤን ስለዝኾና‘ዩ።ኣይቮሪኮስት ዜሮ ኮሎምብያ ዜሮ።

ድሕሪ ዕረፍቲ፣ኣብ መበል ስሳን ሰለስተን ደቃይቅ ካብ ኩርናዕ ንዝሓለፈት ኩዕሶ ቁፅሪ ዓሰርተ ሮድሪገዝ ብርእሱ ቀሊዑ ሓሪፍ ሸቶ ኣመዝጊቡ። ድሕሪ ሽዱሽተ ደቃይቅ እንደገና፣ብጉድለት ኣፀዋውታ ተኸላኸልቲ ኣይቮሪኮስት፣ኮሎምብያ ብኲንተሮ ኣቢላ ካልአይቲ ሸቶ ኣመዝጊባ ኮሎምብያ።ክልተ ንዜሮ።

ጀርቪኖ ኣብ መበል ሰብዓን ሰለስተን ደቃይቅ ንኣርባዕተ ተኸላኸልቲ ሓሊፉ ንጋንትኡ ቀዳመይቲ ትናኣድ ሸቶ ኣመዝጊቡ።እቲ ፀወታ ክልተ ንሓደ ቀፂሉ።እንተኾነ ለውጢ ከይመፀ ተዛዚሙ።ኮሎምብያ ምሕላፋ ኣረጋጊፃ።ኣይቮሪኮስት ንግጥም ምስ ግሪክን ጃፓንን ግሪክን ክትፅበ ትግደድ።

ሎሚ ዝተርፍ ካልኣይን ሳልሳይን ግጥም ግጥም እንግሊዝን ኡሩጓይን ተፈፂሙ‘ሎ።ሱዋረዝ ንእንግሊዝ በይኑ ስዒራዋ።ክልተ ንሓደ።ተስፋ ኡሩጓይ እውን ጠጢዑ‘ሎ።ተስፋ እንግሊዝ ድማ ዳርጋ ይፅልምት‘ሎ።ሳልሳይን መወዳእታን ግጥም‘ዚ ዕለት‘ዚ ግጥም ጃፓንን ግሪክን‘ዩ።
XS
SM
MD
LG