ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፅዋዕ ዓለም ብራዚል 2014 ክጅመር‘ዩ


ፅዋዕ ዓለም
ፅዋዕ ዓለም
ናይ ሎም-ዘበን ፅዋዕ ዓለም ብራዚል 2014 ካብ ፅባሕ ሓሙስ ጀሚሩ ንሓደ ወርሒ ክቅፅል‘ዩ።32 ጋንታታት ክሳተፋ‘የን።12 ስታድየማት ተቀሪቦም‘ለው።

ብሓፈሽኡ 64 ግጥማት ክካየዱ‘ዮም።ኣብ ታሪኽ ፅዋዕ ዓለም ንፈለማ ጊዜ ናይ መስመር ሸቶ ቴክኖሎጂ ኣብ ጥቅሚ ክውዕል‘ዩ።

ኣብ ምድብ ሓደ ኣተኣናጋዲት ብራዚል፣ክሮኤሽያ፣ሜክሲኮን ካሜሩንን ኣለዋ።ኩለን ጋንታታት ብዘይካ ብራዚል ብርቱዕ ጋንታ‘ያ ክባሃለላ ዝኽእል ጋንታ ኣብ‘ዚ ምድብ የላን።ብራዚል ብቀሊሉ ንኩለን ስዒራ ናብ ካልኣይ ዙር ክትሓልፍ‘ያ ዝብል ቅድመ ግምት ኣሎ።ዓርቢ ሜክሲኮን ካሜሩንን።

ኣብ ካልኣይ ምድብ ሻምፕዮን ስዻኝ፣ሆላንድ፣ቺሌን ኣውስትራልያን ይርከባ። ስዻኝን ኔዘርላንድን ናብ ካልኣይ ዙር ክሓልፋ‘የን ዝብል ቅድመ ግምት ኣሎ።

ምድብ ሰለስተ፣ኮሎምብያ፣ግሪክ፣ኣይቮሪኮስትን ጃፓንን ይርከባሉ።ዝተቀራረበ ክእለት ዘለወን ምስ ምኳኑ ንምግማት ኣፀጋሚ ምድብ ተባሂሉ‘ሎ። ኣይቮሪኮስትን ጃፓንን ክሓልፋ‘የን ዝብል ግምት ኣሎ።

ኣብ ምድብ ኣርባዕተ፣ኡሩጓይ፣ኢንግላንድ፣ጣልያንን ኮስታሪካን።ጣልያንን ኢንግላንድን‘የን ዝሓልፋ ዝብል ግምት ኣሎ።ግን ኡሩጓይ ኣነኣኢስካ ትራኣይ ጋንታ ኣይኮነትን።

ምድብ ሓሙሽተ፣ስዊዘርላንድ፣ፈረንሳ፣ሆንዱራስን ኢኮዶርን።ፈረንሳይን ሆንዱራንስን ክሓልፋ‘የን ካብ‘ዚ ምድብ‘ዚ ዝብል ግምት ኣሎ።

ኣብ ምድብ ሽዱሽተ፣ኣርጀንቲና፣ቦስንያ፣ናይጀርያን ኢራንን ኣለዋ።ናይ ልዮኔል ሜሲይ ጋንታ ኣርጀንቲና ብዘይጥርጥር ክትሓልፍ‘ያ።ካልአይቲ ሓላፊት ጋንታ ግና ንምግማት ኣፀጋሚ‘ዩ።ምናልባት ናይጀርያ ዝሓሸ ዕድል ኣለዋ።

ምድብ ሸውዓተ ጀርመን፣ፖርቹጋል፣ጋናን ኣሜሪካን።ግሩፕ ኦፍ ዴዝ ተባሂሉ‘ሎ እዚ ምድብ‘ዚ።ኩለን ክሓልፋ ዝኽእላ ጋንታታት ግና ክጠፋፋኣ ዝተገደዳ ከም‘ዚ ማለት‘ዩ።መን ሓለፈት መን ወደቀት ድሕሪ ክልተ ሰሙን ክንፈልጥ ኢና።ጀርመንን ጋናን ዝብል ግምት ምሃብ ይካኣል ይኸውን።

ምድብ ሸሞንተ ቤልጅየም፣ኣልጀርያ፣ሩስያን ደቡብ ኮርያን።ዝሃሰሰ ታሪኽ ዘለወንን ዘይፍለጣን ጋንታታት ስለዝኾና ”ዳርክ ሆርስስ” ዘይራኣይ ጋላቢ ዝርከባሉ ምድብ ተባሂሉ‘ሎ።ግን ቤልጅየምን ሩስያን ክሓልፋ‘የን ይብሉ ገለ ተንተንቲ።
XS
SM
MD
LG