ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሴፕ ብላተር ብኢሳ ሃያቱ ተተኪኦም


ብላተርን ሃያቱን
ብላተርን ሃያቱን

ፕረዚደንት ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃን ምክትል ፕረዚደንት ፊፋን ዝኾኑ ካሜሮናዊ ኢሳ ሃያቱ ጊዚያዊ ፕረዚደንት ፊፋ ኮይኖም።

ንሶም ናብ’ዚ መዝነት ዝበቅዑ፣ ኮምሽን ቁፅፅር ዓለም-ለኸ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ (ፊፋ)፣ ነቶም ኣብ ሰሓቦ ጉተቶ ዝፀንሑ ሴፕ ብላተርን ክትከኦም’ዩ ተባሂሉ ይሕመ ዝነበረን ሚሸል ፕላትኒ፣ ን3 ኣዋርሕ ድሕሪ ምእጋዱ’ዩ።

እቲ ኮሚሽን ነዚ ውሳነ ኣብ ልዕሊ ብላተርን ፕላትኒን ዝወሰደ፣ ዓቃቢ-ሕጊ ስዊስ ቅድሚ ክልተ ሰሙን፣ ብላተር ንፕላትኒ 2 ሚልዮን ዶላር ከፊለዮ’የ ድሕሪ ንዝበሉሉ ኩነታት ኣብ ዘፃርየሉ እዋን’ዩ።

እዚ መስርሕ’ዚ፣ሚሸል ፕላትኒ ፕረዚደንት ፊፋ ንክኸውን ንዝነበሮ ተስፋ ዘቅህም’ዩ። ሚሸል ፕላትኒ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ፕረዚደንት ኩዕሶ እግሪ ኣውሮጳ ምኻኑ ዝፍለጥ’ዩ።

ኢሳ ሃያቱ ሎሚ ኣብ ዝዘርግሕዎ መልእኽቲ ‘ጊዚያዊ ፕረዚደንት ፊፋ ኮይነ ከግልግል’የ’ ኢሎም ኣለው።

XS
SM
MD
LG