ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፊፋ ኣብ ኤርትራ ስታድየም ክሃንጽ`የ ይብል


ፕረዚደንት ኣህጉራዊ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ(ፊፋ)ሚስተር ጆቫኒ ቪንቸንዞ ጃኒ ኢንፋንቲኖ ዓርቢ 23 ለካቲት 2018 ኣብ ኤርትራ ዑደት ኣካይዱ።

ኣብ`ቲ ናይ ሓደ መዓልቲ ዑደቱ፡ ምስ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ምስ ኮሚሽነር ስፖርትን ባህልን ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለን ምስ ኣባላት ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራን ኣብ ዘካየዶ ርክብ ፡ ፊፋ ኣብ ዕብየት ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ብሽርክነት ክሰርሕ ከምዝደሊ ገሊጹ።

ሚስተር ጃኒ ኢንቲፋኖ ኣብ ሓድሽ ህንጻ ቤ/ጽ ሃገራዊ ፈደረሽን ኩ/እግሪ፡ኣብ ስታድዩም ኣስመራን ኣብ ፕሮጀክት ግራስ ሩት ኩ/እግሪ ተጠርኒፎም ዝስልጥኑ ቆልዑን ተዘዋዊሩ ኣብ ዝተዓዘበሉ እዋን፡ ብዝምልከቶም ኣካላት መብርሂ ተዋሂብዎ።

ፕረዚደንት ፊፋ ኣብ ናይ መወዳእታ ዑደቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ማሕበሩ ኩ/እግሪ ናብ ኩሉ ቦታታት ንምብጻሕን ደራጅኡ ንምምዕባልን ምስ ሃገራዊ ፈደረሽን ክ/እግሪ ኤርትራ ከምዝሰርሕን ኣብ ትሕተ ቅርጺ ንምሕጋዝ መደብ ከምዘለዎን ብውሕዱ ሓደ ስታድዩም ናይ ምህናጽ መደብ ከምዘለዎን ነዚ ንምትግባር ድማ ምሉእ ምትሕብባር ከምዝገብር ኣረጋጊጹ`ሎ።

XS
SM
MD
LG