ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወዲ ቀ/ሚ ኬንያ ዝነበሩን ባዓል ቤት ኤርትራዊትን ፊደል ኦዲንጋ ሃንደበት ሞይቱ ተረኺቡ


ፊደል ኦዲንጋ
ፊደል ኦዲንጋ

ወዲ ቀ/ሚ ኬንያ ነበር ራይላ ኦዲንጋ - ፊደል ኦዲንጋ ትማሊ ሰንበት ኣብ መንበሪ ገዝኡ ሞይቱ ተረኺቡ። መንቀሊ ሞቱ ግና ብፖሊስ ይፃረ ኣሎ።

ብመሰረት እቲ ዜና በዓልቲ-ቤቱ አርትራዊት ልዋም ጌታቸው ካብ ምድቃሱ ንክተበራብሮ ኣብ ዝፈተነትሉ ሰዓት፡ሞይቱ ክምዝተረኸበ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ቀዳም ምሸት ምስ ኣዕርኽቱ ኣብ እንዳመስተ ፅቡቅ ጊዜ ከምዘምሰየ ዝዝረበሉ ፊደል ኦዲንጋ፡ሞይቱ ዝተረኸበ ኣብ ካረን ዝተባሃለ ከባቢ ኣብ ዝርከብ መንበሪኡ እዩ። በዓልቲ ቤቱ ልዋም ጌታቸው ንክተበራብሮ ፈቲና ኣብ ዘይካኣለትሉ ሰዓት ናብ ወለዱ ስልኪ ድሕሪ ምድዋላ ናብ ሆስፒታል ወሲዶምዎ ነይሮም ግና ኣይኮነሎምን።

ፖሊስ ኬንያ ብዛዕባ ኣማውታ ፊደል ዝሃቦ ተወሳኺ ሓበሬታ ዛጊድ የለን።እቲ ምርመራ ግና ይቅፅል ኣሎ።

ሚድያታት ኬንያ፡ፊደል ኦዲንጋ ምስ ቀዳመይቲ ሰበይቱ ቬሮኒካ ዋንጂሩ ድሕሪ ምፍትሑ ንኤርትራዊት ልዋም ጌታቸው ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ኣብ ዝተፈፀመ ስነ-ስርዓት ከምዝተመርዐወ ገሊፀን።

XS
SM
MD
LG