ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፋይናንስ ንምዕባለ ዓለም-ለኸ ኮንፈረንስ ኣብ ኣዲሳበባ ተኸፊቱ


ኮንፈረንስ ፋይናንስ ንልምዓት
ኮንፈረንስ ፋይናንስ ንልምዓት

ማዕበልቲ ሃገራት ካብ’ቲ ዝርከባሉ ሕሱም ድኽነት ድሕሪ 15 ዓመታት ናይ ምንጋፍ ተባዕ ድልየትን ውጥንን ከምዝሓዛ ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ ገሊፆም።

ዋና ፀሓፊ ሕ/ሃ ባን ኪሙን ብወገኖም፣ማዕበልቲ ሃገራት ንዝትግብረኦ መደባት ዕብየት፣ዝበልፀጋ ሃገራት ክሕግዛ ኣለወን ኢሎም።ንምርግጋፅ ነባራይ ምዕባለ ዘድሊ መጠን ገንዘብ ኣዝዩ ብዙሕ’ዩ ዝበሉ ባን ኪሙን፣ ግን ይካኣል’ዩ፡ኮንፈረንስ ኣዲሳበባ ናብ’ቲ ብርኪ’ቲ ንምብፃሕ ዘኽእል ምኻኑ’ውን ገሊፆም።

እቲ ኮንፈረንስ፣ንኣሰራርዓ ምዕባለን ፋይናንስን ዘደላድል ክኾን ይግባእ ይብላ ኣሜሪካዊት ባዓልቲ ስልጣን ቢዛ ዊልያምስ።ኣብ ዙርያ ዓለም ፀጋታት ወዲብካ ነባራይ ምዕባለ ምርግጋፅ ከምዘድሊ ሓባራዊ ምርድዳእ’ውን ኣሎ’ዩ ኢለን ንሰን።

ኣብ’ቲ ኮንፈረንስ ዝሳተፉ ክሳብ 5 ሽሕ ኣጋይሽ ናብ ኣዲሳበባ ከምዝኣተው ሪፖርታት ይሕብሩ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:03:44 0:00

XS
SM
MD
LG