ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ  ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ንምትራፍ ዝስራሕ ዘሎ ስርሓት የረድእ


ኣብ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ መተሓባበሪ ክፍሊ ኣዴታትን ህፃናት ኣይተ ከበደ እምባየ
ኣብ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ መተሓባበሪ ክፍሊ ኣዴታትን ህፃናት ኣይተ ከበደ እምባየ

ምኽንሻብ ወይ ምግራዝ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ክልል ትግራይ ከም ባህሊ ዝተለምደ እዩ፡፡ እዚ ባህሊ ንበሎ ልምዲ ኣብ ትግራይ ብፍላይ ኣብ ገጠራት ትግራይ ልሙዱን ፅዑቁን እዩ፡፡ እዚ ተግባር ድማ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ከቢድ ፀገም ዘስዕብ ምኳኑ ይፍለጥ፡፡

ስለዝኾነ ድማ ሕቡራት ሃገራት ነዚ ልምዲ ንምትራፍ ዓሊሙ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ክዝከር ወሲኑ ።ኣብዚ በዓል ሕብረተሰብ ዘለዎም ኣፍልጦን ዝዕመም ዘሎ ስራሕን ንምርዳእ ምስ ኣብ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ መተሓባበሪ ክፍሊ ኣዴታትን ህፃናት ኣይተ ከበደ እምባየ ኣዋጊዐ ዝሃቡና መብርሂ “እዚ ምክንሻብ ወይ ምግራዝ እንብሎ ቅድመ ሐዚ ነውሪ ከምዝኾነ ይፍለጥ እዩ፡፡ ክዓብያ ከለዋ ኣብ ጥዕና ይኩን ኣብ ስነ ኣእምሮ ጥዕና ዓብዪ ፀገም ዝፈጥር ይፈለጥ እዩ፡፡ ቅድመ ሐዚ ኣብ 2005 ምስ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ብምዃን መጽናዕቲ ተካይዱ ነይሩ እዩ፡፡ ስለዚ ኣብተን ብበዝሒ ዝተርኣየለን ብዝተኻየደ መጽናዕቲ መሰረት ኣብኡ ብዝተፈላለዩ መራሕቲ ሃይማኖት ፅዕንቶ ዝፈጥሩ ኣካላት ትምህርቲ እናተውሃበ ፀኒሑ እዩ”ኢሎም።

ብተወሳኺ ኣብ ምብራቃዊ ዞባ ሓይቅ መስሓል እቲ ተርእዮ ብዝሕ ዝበለ ምኳኑ ኣብ ናይ ዓዲ ጎሹ ድማ ምስ ኩናማ ዘለዉ ብሄረሰባት ኣብኡ ብዙሕ ዝተርአየ እዩ። ኣብ መቐለ እውን ኣብ ደብሪ ከባቢ ካብ ከተማ ውፅእ ኢልካ ብበዝሒ ዝተርኣየሉ እዩ ዝብሉን ካልእን ኣመልኪቶም መብርሂ ሂቦሙኒ ኣለዉ ፡፡

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG