ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ፡ ኣህጉራዊ መዓልቲ ጸረ-ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ተዘኪሩ


ኣህጉራዊ መዓልቲ ጸረ-ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ፡“ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ከብቅዕ፡ፖለቲካዊ መርገጺና’ዩ!” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ብደረጃ ሃገር ሰሉስ 6 ለካቲት 2018 ኣብ ኣዳራሽ ሃገራዊ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ኣስመራ ተዘኪሩ።

ኣብ’ቲ ብሽርክነት ሚኒስትሪ ጥዕና፡ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን፡ሃገራዊ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ(ሃማደኤ)፡ ዩኒሴፍን ኣህጉራዊ ማዕከን ህዝብን ዝተኻየደ ናይ ዝኽሪ መደብ፡ሚኒስተር ሚኒስትሪ ጥዕና ወ/ሮ ኣምና ኑርሑሰን ኣብዘስምዓቶ ቃል፡ብደረጃ ዓለም ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮን ካልኦት ጎዳእቲ ልምድታትን ኣብ 2030 ዓ.ም ንምውጋድ ዝተሓንጸጸ መደብ ንምዕዋት፡ብደረጃ ሃገር ብሃማደኤ፡ ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን መሻርኽቲ ኣህጉራውያን ትካላትን ብምዃን 12 ዝአባላታ ቴክኒካዊ ኮሚቴ ቆይማ ብዕቱብ ይስረሓሉ ከምዘሎ ገሊጻ።

ወኪል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ሚስ ሱዛን ንጎንጊ ብወገና “6 ለካቲት ኣንጻር ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ብሓባር ድምጽና ብዓውታ ነስምዓላ ዕለት’ያ”ኢላ።

ኣብ 2014 ዓ.ም ብደረጃ ሃገር ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ምክንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ትሕቲ 5 ዓመት ኣብ ዝርከባ ቆልዑ 6.9 ሚእታዊት ኣብ ትሕቲ 15 ዝዕድሚአን ኣዋልድ ከኣ 18.2 ሚእታዊት ከምዝኾነ ኣብቲ ዕለት ተገሊጹ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኤርትራ፡ ኣህጉራዊ መዓልቲ ጸረ-ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ተዘኪሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:54 0:00

XS
SM
MD
LG