ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣትሌት ፈይሳ ሌሊሳ ኣብ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ንክኽበር ምስ ኣባላት ባይቶ ኣመሪካን መራኸቢ ብዙሓንን ተራኺቡ


ኣብ ሪዮ ኦሎምፒክ ናይ ማራቶን ውድድሩ ክውድእ ከሎ ክልተ ኣእዳው ብምጥማር ተቓውሞ ዘርኣየ ኣትሌት ፈይሳ ሌሊሳ: ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኡን ኣብ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ንክኽበር ምስ ኣባላት ኮንግረስ ዩናይትድ ስቴትስን ዓለምለኸ መራኸቢ ብዙሃንን ተራኺቡ።

ኣትሌት ፈይሳ ሌሊሳ: ትማሊ ሰሉስ ኣብ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ኮንግረስ ኣብ ጉድያት ወፃኢ ኣቦ መንበር ንኡስ ኮሚቴ ጉዳያት ኣፍሪካ ክሪስ ስሚዝ​ ኣብ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊመሳልት ዘሕለፍዎ ሓድሽ ረቂቕ ውሳነ ዕላዊ ክኸውን ከሎ: ናይ ምስክርነት ቃሉ ሂቡ።

ኣብ ኢትዮጵያ ምርጫ 1997 ዓ/ም ስዒቡ HR2005 ብዝብል ሽም ዝፍለጥ ረቂቅ ሕጊ ብኮንግረስ ዩናይትድ ስቴትስ ቐሪቡ ነይሩ።

ትማሊ ሰሉስ እውንኣብ ኮንግረስ ዩናይትድ ስቴትስ ናይ ወፃኢ ጉዳያት ንእሱ ኮሚቴ ጉዳያት ኣፍሪካ HR 16 ተባሂሉ ዝፅዋዕ ረቂቕ ናይ ውሳነ ሓሳብ ኣፋሊጡ’ሎ። ኣባልኮንግረስ ክሪስ ስሚዝ​ ​ነዚ ኣመልኪቶም ኣብ ዝ ሃብዎ መግለጺ​: " እዚ ነቲ ቤት ምኽሪ ዘተሓሳሰቦ ንምዃኑ ብግልፂ ዝሕብር እዩ።ምንስቴር ጉድያት ወፃእን ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስን ብተመሳሳሊ ይሓስብሉ ዘለውጉዳይ እዩ ዝብል ተስፋ ኣለና።እቲ ረቂቕ ሕጊ ብኽልቲኦም ፓርትታት ዝተደገፈ እዩ።እናብኣሰ ይመፅእ ዘሎ ፀገም ንምውጋድ እዩ ዕላማና።ንሕግዞ ዘለናሕድ ሕድ ገንዘብ ንዝጠመዩ ንምምጋብን ንዝሓመሙ ሕክምና ክረኽቡን እዩ።እዚ ገንዘብ እዚ ንወታደራዊ ጉዳይ ውዒሉ እንተድኣ ኮይኑ ክንምርምሮይግባእ" ኢሎም​።

ኣባል ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ዝኾኑ ናይቲ ንኡስ ኮሚቴ ኣባል ኤሊየት ኤንግል፣ናይ ቴክሳስ ተወካሊን ኣባል ዴሞክራሲያዊ ፓርትን ኣልግሪን፣ሪፓብሊካዊ ማይክ ኮፍማንን ኣባል ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ኪት ኤሊሰንን ናይቲ ረቂቕ ሕጊ ተሓባበርቲ እዮም።

ኣባል ኮንግረስ ኣል ግሪን ብዛዕባ እቲ ረቂቕ ሕጊ "ኣብዚ ጉዳይ እዚ ስለ ዘርኣዩዎ መሪሕነት ንኣቦ መንበር ከመስግኖም እደሊ።እዚ ንኢትዮጵያዊያንን ኣገዳሲ ጉዳይ እዩ።እዚ ጥራይ ኣይኮነን፤ሰናይድልየት ንዘለዎም ኩሎም ሰባት እውን ኣገዳሲ እዩ፤እቲ ረቂቕ ንክሓልፍ ምስ ኣቦ መንበር ብቐረባ ክሰርሕ ምዃነይ ከረጋግፅ እደሊ" ክብሉ መብርሂ ሂቦም​።

እቲ ረቂቕ ውሳነ ዕላዊ ክኸውን ናይ ምስክርነት ቃሎም ካብ ዝሃቡ ኢትዮጲያዊያን ሓደ ኣትሌት ፈይሳ ለሊሳ መደረ ኣስሚዑ ነይሩ።

ንሱ" ኣብ ኢትዮጵያ ኩነታት እናኸፍኡ እዮም ዝኸዱ ዘለው።ኣዚዩ ዘተሓሳስብ እዩ።ኣዚዩ ዘተሓሳስብ እዩ።መንግስቲ ኢትዮጵያ ንብዙሓት ሰባትኣሲሩ’ሎ።ሰባት ካብ ሃገሮም ክወፁ የግድዶም ኣሎ።ሰባት ካብ መንበሪ ከባቢታቶም እናተመዛበሉ ንፀገማት ይቃልዑ ኣለው።ነዚ ዝፍፅሙ ዘለው ድማነቲ ስልጣን ዝጨበጡ ንእሽተይ ቁፅሪ ናይ ዘለዎም ኣባላት ብሄር እዮም" ኢሉ።

ኣትሌት ፈይሳ ለሊሳ: ቅድም ክብል ኣብ ሪዮ ኣብዝሃቦ መግለፂ ኣብ ኬንያ ልምምድ ክገብር ምዃኑ​ ገሊፁ ነይሩ።

ትማሊ ኣብ ዝሃቦ ሪኢቶ ግን ኣብዚ ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ልምምዱ እናገበረ ናብ ውድድር ጉያ ከምዝምለስ ሓቢሩ’ሎ።ምኽንያቱ ድማ ሓይልታት ፀጥታ ኬንያን ኢትዮጵያን ናይ ቀረባ ርክብ ስለዘለዎም ኣሕሊፎም ክህቡኒ እዮም ዝብል ስግኣት ስለዝሓደሮ ምዃኑ ሓቢሩ።

ዜግነቱ ቀይሩ ንዩናይትድ ስቴትስ ክወዳደር እንተኾይኑ ተሓቲቱ ኣብ ሃገሩ ሰላምን ለውጥን ተረጋጊፁ ንሃገሩ ወኪሉ ንምውድዳር ከምዝደሊ ገሊፁ’ሎ።

ኢትዮጵያ ካብ ዩናይትድ ስቴትስ ዝለዓለ ናይ ልምዓት ሓገዝ ትረክብ።ኣብ ግጥም ፀረ ሽብር እውን መሻርኽቲ ዩናይትድ ስቴትስ እያ።

ኣብ ኣተሓሕዛሰብኣዊ መሰላትን ህንፀት ዴሞክራስን ብኮንግረስ ይኹን ብምምሕዳር ኦባማ በሊሕ ነቐፌታ ክቐርባ ፀኒሑ’ሎ።

XS
SM
MD
LG