ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፊስቱላ ኣብ ምክልኻልን ንግዳያት ኣብ ምሕጋዝን ዝሰርሕ ትካል ተጣይሹ


ኣሊሰን ሽያጎ ዝተብሃላ ኣሜሪካዊት ገባሪት ሰናይ ኣብ ኢትዮዽያ ፊስቱላ ንምክልኻልን ንደቃ ኣንስትዮ ንምሕጋዝን ዝዓለመ ትካል ኣጣይሸን ኣለዋ።

እቲ ትካል “Healing Hands of Joy” ይባሃል። ዕላምኡ ነቲ ኣብ ኢትዮዽያ ዘሎ 1% ዝሸፈነ ሓደጋ ፊስቱላ ንምጥፋእ ኮይኑ ብፍላይ ብቐዳምነት ጠመተ ሂቡ ክሰርሕ ኣብ ትግራይ ከተማ መቐለ ተጣይሹ’ሎ። እቲ ሓደጋ ካብ ካልኦት ክልላት ዝያዳ ኣብ ትግራይ ይኸፍእ። 1.6% ሽፋን ኣለዎ።

ካብ ሳሓርቲ ሳምረ 6 ቅድሚ ሎሚ ሕክምና ፊስቱላ ወሲደን ዝሓወያ ኣዴታት ናብቲ ማእኸል መጽየን ኣብነት ኮይነን ንኻልኦት ከምህራን ዓርሰን ዘኸእለን ዓቕሚ ከጥርያን ስልጠና ይወስዳ ኣለዋ። ነቲ ኣብ ትግራይ ከተማ መቐለ ተጣይሹ ዘሎ ማእኸል ዝመርሓ ሲስተር ኣፀደ ታደል ብዛዕባ እዚ እንትገልጻ “እተን ኣዴታት ኣብቲ ማእኸል ኣብ ዝፀንሓሉ እዋን ሰለስተ ቁምነገራት ክማሃራ እየን። ማሃይምነት ከጥፍኣ እየን።ኣብ ምክልኻል ፊስቱላ ዝጠመተ ስልጠና ክወሃበን እዩ። ኣብነት ኮይነን ናብ ጣብያታት ወሪደን ከምህራ እየን።ብዝደለየኦ ዓይነት ሞያ ሰልጢነን ልቓሕ ገንዘብ ተዋሂብወን ናብረአን ከመሓይሻ ክፅዕራ እየን” ኢለን።

ኣብ ትግራይ ዋላ እኳ ማእኸል ሕክምና ፊስቱላ እንተሃለወ እተን ደቃ ኣንስትዮ ተሓኪመን ምስከዳ ኣብ ናብራ ዓርሰን ንክኽእላ ዝሕግዘን ዝኾነ ይኹን ትካል ኣይነበረን።

XS
SM
MD
LG