ቅድሚ ሰላሳን ሽዱሽተን ዓመት ዝተመስረተ ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ፣ዓመታዊ ፌስቲቫሉን ዋዕላታቱን ቅድሚ ትማሊ ቀዳም ኣብ ዝተሳለጠ ምሸታዊ ትልሂት ዛዚሙ።እቲ ማሕበር ንተኸታተልቲ መዓልታት ገምጋማዊን ንህዝቢ ዘሳተፈ ኣኼባን ኣብ ዩኒቨርስቲ ሃዋርድ ኣሰላሲሉ‘ዩ።
ናይ‘ቲ ማሕበር ብሕታዊት ኣባል ላዕለዋይ መሪሕነት ወ/ሮ ኣብሪሃ እያሱ፣ ተሳትፎ ደቂ-ኣነስትዮ ኣዝዩ ትሑት ኮይኑ ከምዝረኸበቶን ንክማሓየሽ ዝያዳ ክስራሓሉ ከምዘለዎ ገሊፃ።
ካብ ትግራይ ተወኪሉ ዝመፀ ኣምባሳደር ተወልደ ገብሩ፣ዳያስፖራ ትግራዋይ ዓቅሙ ወዲቡ፣ኣብ ኢንቨስትመንት ክዋፈር፣ብዘለዎ ክእለት ካኣ ኣብ ትምህርቲ፣ጥዕና፣ቴክኖሎጂን ምህንድስናን ኣስተዋፅኦ ክገብር፣ንትግባረ መደብ ምዕባለን ትራንስፎርሜሽንን ኣበርክቶ ክገብር ፀዊዖም።
ሓዱሽ ኣቦ-መንበር ማተሳኣ ኣቶ ኪሮስ ኣርኣያ ብወገኑ፣ናይ‘ቲ ማሕበር ራኢ፣ኣብ ወፃኢ ዘሎ መንእሰይ ወለዶ ንነባር መሪሕነት ተኪኡ ነቲ ቃልሲ ናብ ዝላዓለ ብርኩ ንከብፀሖን ኣብ ምዕባለ ሃገሩ ተሳትፎ ንክገብር ምብቃዕ ምኻኑ ሓቢሩ።
ዳያስፖራ ትግራዋይ ዓቅሙ ወዲቡ፣ኣብ ኢንቨስትመንት ክዋፈር፣ብዘለዎ ክእለት ካኣ ኣብ ትምህርቲ፣ጥዕና፣ቴክኖሎጂን ምህንድስናን ኣስተዋፅኦ ክገብር መፀዋዕታ ቀሪቡ