ዓመታዊ ፈስቲቫል ዳያስፖራውያን ተጋሩ፣ሎም-ዘበን ኣብ ውሽጢ ትግራይ ንክካየድ ተወሲኑ ምቅርራባት ካብ ዝጅመር ኣዋርሕ ተቆፂሩ‘ሎ ዳርጋ ናብ ምዝዛም በፂሕና‘ለና ክሳብ ሓሙሽተ ሽሕ ናይ ወፃኢ ኣጋይሽ ንፅበ‘ለና ይብሉ ኣዳለውቲ‘ቲ ፈስቲቫል።
ኣብ‘ቲ ፈስቲቫል ካብ ዝተፈላለያ ኣህጉራት ንዝመፁ ኣጋይሽ ንምቅባልን ንምትእንጋድን ዝተፈላለያ ኮሚቴታት ስራሕተን ኣብ ምስላጥን ምዝዛምን ከምዝርከባ‘ውን ጋሻና ይጠቅሱ።
እቲ ብክልላዊ ፕረዚደንት ዝምራሕ ኮሚቴ ኣብ‘ዚ እዋን ብዛዕባ‘ቲ ፈስቲቫል እንታይ ይብል? ክላዓሉ ዝኽእሉ ሕቶታት ወይ ስክፍታታት‘ዶ ክህልው ይኽእሉ? ፀሓፊ‘ታ ኮሚቴ ኣቶ ኣብራሃም ገ/መድህን ኣብ ናይ ሎሚ ቀዳማይ ክፋል ንመሰረታዊ ሕቶታት ብምምላስ ጀሚሮም‘ለው።