ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ድሕሪ ኣስታት ክልተ ሰሙን ኣብ ዝጅምር ዓለም-ለኸ ፈስቲቫል ትግራይ 2014 ኣብ ትግራይ፣ምቅርራባት ተዛዚሞም ኣጋይሽ ንምቅባል ይፅበዩ ከምዘለውን ተሓቢሩ።

ብመዳይ ፅርየት፣ጥዕና፣መጓዓዝያ፣ሰላምን ድሕነትን ኩለን ዝምልከተን ንኡስ ኮሚቴታት ስራሕተን ኣብ ምፅፋፍ ከምዝርከባ‘ውን ጋሻና ይገልፁ።

ንፈለማ ጊዜ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ፈስቲቫል ትግራይ ንዝሓለፉ ኣስታት ኣርባዓ ዓመታት ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ይካየድ ከምዝነበረ ዝዝከር‘ዩ።ሎሚ ግና ብተበግሶ ዳያስፖራውያን ኣብ ኢትዮዽያ ንክካየድ ተወሲኑ‘ዩ።ብመሰረት ኣዳለወቲ’ቲ ፈስቲቫል ክሳብ ሓሙሽተ ሽሕ ኣጋይሽ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናብ መቀለ ክኣትው‘ዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

XS
SM
MD
LG