ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'እነ ትንፋሼ' ንዘርእስታ መፅሓፍ ምስ ዝሰነደ ኣቶ ፍስሃ ዘሪሁን ዝተካየደ ዕላል


መፅሓፍ እቶ ፍስሃ ዘሪሁን
መፅሓፍ እቶ ፍስሃ ዘሪሁን

‘እነ ትንፋሼ’ ንዘርእስታን ንምንቅስቃስ ህወሓት ኣብ ዞባ ማእከላይ ኢትዮጵያ ከባቢታት ኣምሓራ ንዘሕለፎ ተመክሮ ዝሰነደን ኣቶ ፍስሃ ዘሪሁን “ህወሓት ካብ ሃገራዊ ዓወትን ምሕዝነታዊ ስትራተጂን ወፃኢ ኣብ ምርግጋፅ ውሕስነት ከምዘይብሉ ብግልፂ ቅዋም እናተታሓዘ መፂኡ’ዩ” ይብል ካብ ትግራይ ወፃኢ ስለምንታይ ምንቅስቃስ ኣድለየ ንዝብል ሕቶ ክምልስ ከሎ።

ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ኮይኑ ናይ ምስራሕ መሰል ረኺቡ ዝነበረ ኣቶ ፍስሃ ብጠንቂ ዘጓነፎ ሕማም ሓላፍነቱ ብድልየቱ ኣረኪቡ ኣብ ትሕት ዝበለ ሓላፍነት ንክሰርሕ ከምዝሓተተን ተቐባልነት ምርካቡን ይዛረብ። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ዓዲ እንግሊዝ’ዩ ዝርከብ።

ኣብ መፅሓፍ ኣቶ ፍስሃ ዘሪሁን፣ታሪኽ ጥራሕ ዘይኮነ እቲ ኣብ'ዚ መዋእል ዘሎን 'ከቢድ ዋጋ ዝተኸፈለሉን' ዝበልዎ 'ስርዓት' ኣብ ሓደጋ ዘእትው ክስተታት ይራኣዩ ከምዘለው'ውን ይጠቅስ።እዞም ሓደጋታት'ዚኦም ኣየኖት'ዮም? ንቀፃላይ ክፋል ዕላል ምስ ኣቶ ፍስሃ ተኸታተሉ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:21:01 0:00

XS
SM
MD
LG