ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንጉስ ስዑድ ዓረብ ደቂኣንስትዮ መኪና ክመርሓ ዘፍቅድ ኣዋጅ የሕሊፉ


ንጉስ ሳልማን ቢን ዓብደልዓዚዝ ኣል ስዑድ ናይ ንግስነት ስዑድ ዓረብ ደቂኣንስትዮ እታ ሃገር መኪና ክመርሓ ዘፍቅድ ኣዋጅ ሎሚ ሰሉስ 26 መስከረም የሕሊፉ።

እዚ ሎሚ ብመንግስታዊ መራኸቢ ብዙሓን እታ ሃገር ዝተመሓላለፈ ኣዋጅ ፍቓድ ምምራሕ መኪና ደቂ ኣንስትዮ፤ እታ ሃገር: እታ እንኮ ንደቂ ኣንስትዮ መኪና ክመርሓ ዘይፍቀደላ ሃገር ተባሂላ እትግለጸሉ መጸውዒኣውን ዘኽትምዩ።

ብመሰረት እቲ ዝወጸ ኣዋጅ ፡ ፍቓድ ምምራሕ መኪና ደቂ ኣንስትዮ ካብ ወርሒ ሰነ 2018 ተግባራዊ ክኸውን እዩ።

እቲ ኣዋጅ ብተወሳኺ ኣብ ዝመጽእ 30 መዓልታት ኣብ ምምኻር ዝነጥፍ ሓደ ላዕለዎት ሰብ መዚ ዝሓቖፈ ኣካል ክቐውምን ብኡ ኣቢሉ ድማ ሕግታት ሸሪዓ ብዘማልእ ኣገባብ ዘተግብር ከምዝኸውን'ዩ ገሊጹ።

XS
SM
MD
LG