ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፈለገ ብርሃነ ኣብ ዋይት ሃውስ ምህዝኡ ኣቅሪቡ


ኬረን ኦባማን ፈለገን
ኬረን ኦባማን ፈለገን
ዋይት ሃውስ ኣብ ዝዘርገሖ መግለፂ፣ፈለገ ብርሃነ ሃገረ ውልደቱ ዝኾነት ኢትዮዽያ ካብ ዓለምና እታ ኣዝዩ ብዙሕ ብጠንቂ ሓደጋ ማካይን ዜጋታታ ዝሞትላ ሃገር ምኳና ዝተረደአ ምኳኑ ይጠቅስ።

ዋይት ሃውስ ኣፍልጦ ዝሃበሉ ምህዞ ፈለገ፣ስራሕቲ ፈለገ ፀሓያዊ ምንጪ ሓይሊ (ሶለር ኤኔርጅይ) ዝጥቀም፣ኣብ ፅቅጥቅጥ ዝበዝሖ ከተማ ብልሓተኛ ፍታሕ ምኳኑ‘ውን ይሕብር።

ፕረዚደንት በራክ ኦባማ ተማሃሮ ኣብ ንእስነቶም ከዕውትዎ ዝተኻኣሎም ውፅኢት ምርምራትን ፈተነታትን ሓደ ብሓደ ኣላልዮም።ኣብ‘ቲ ኣዳራሽ ካብ ብሉፃት ዩኒቨርስታታትን ቤተ-ምርምርን ኣሜሪካ ከምኡውን ዝምልከቶም ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኣሜሪካ ተረኺቦም ነይሮም።ኣስዒቦም ምልላይ እቶም ተማሃሮ ቀፀሉ።

ድልየተይ ኢሉ ፈለገ ብርሃነ ካብ‘ዚ ምህዞ‘ዚ ገንዘባዊ ረብሓ ንምርካብ ኣይኮነን ኣብ ክንድኡ ንኢትዮዽያን ህዝባን ዘቅርበሎም ህያብ‘ዩ ኢሉ።
ምስ ፈለገ ብርሃነ ዝተካየደ ቃለ-ምልልስ (2ይ ክፋል)
please wait

No media source currently available

0:00 0:08:28 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG