ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓቃበ ሕጊ ኢትዮጵያ: አቶ በቀለ ገርባ ዘቕረብዎ ሕቶ ዋሕስ ነጺግዎ


አቶ በቀለ ገርባ

ናይ ኢትዮጵያ ፈደራል ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ልደታ ራብዓይ መጋባእያ ገበናት: አቶ በቀለ ገርባ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ናይ ዋሕስ መሰሎም ክኽበረሎም በጠበቃኦም አቢሎም ዘቕረብዎ ሕቶ፡ ቤት ፍርዲ ሎሚ ብጽሑፍ ብዝሃቦ መልሲ ምንጻጉ ሓቢሩ’ሎ።

ዓቃቢ ሕጊ: አቶ በቀለ ገርባን ካልኦት 22 ተኸሰስቲ ክሲ ክምስረተሎም ኸሎ በዚ ቤት ፍርዲ ዋሕስ ተኸልኺሎም እዮም ስለዚ’ዚ ቤት ፍርዲ ንዝገበሮ ውሳኔ ስዒሩ ብዋሕስ ክለቆም የብሉን ክብል ሞጊቱ’ሎ።

ብተወሳኺ አቶ በቀለ ገርባ ምስ ኣብ ወጻኢ ዘለው ጉጅለታት ርክብ ስለዘለዎም ብዋሕስ እንተተለቂቆም ናብ ወጻኢ ክኸዱ ስለዝኽእሉ ተመሊሶም ቤት ፍርዲ ኣይቀርቡን እዮም ድሕሪ ምባል ሕገ መንግስቲ ንምፍራስ ብኽውል ክሰርሑ ተኽእሎ ስለዘሎ ብዋሕስ ክወጹ የብሎም ብምባሉ ቤት ፍርዲ ብይን ንምሃብ ድሕሪ ሰሙን ቆጸራ ከምዝሃበ ጠበቃኦም ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም።

መውሃቢ ርእይቶ ኣብ ፈይስቡክ

ኣብዚኣ'ሞ

ኣብዚኣ'ሞ! ጻዕሪ ሰላም ቤት መኽሪ ዓለም-ለኸ ኣብያተ ክርስትያናት ኣብ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG