ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ኣመራርሓ ኦፌኮ ንምስርክርነት ዝጸውዕዎም ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስቲ ከይቐርቡ ወሲኑ


ናይ ኢትዮጵያ ፌደራል ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እኒ ኣቶ በቀለ ገርባ ዝርከቡዎም ኣርባዕተ ኣባላት ኣመራርሓ ፌደራሊስት ኮንግረ ኦሮሞ ብምስክርነት ዝፀውዑዎም ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ከይቐርቡ ወሲኑ።

ተኸሰስቲ ኣብቲ መጋባእያ ዝለዓለ ተቓውሞ ብምስምዖም ንቤት ፍርዲ ደፊርኩም ብዝብል ነፍሲ ወከፎም ብሽዱሽተ ኣዋርሕ ማእሰርቲ ቀፂዑዎም ኣሎ።

እቶም ተኸሰስቲ ንቀዳማይ ሚንስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ሓዊሱ ሓሙሽተ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ነቲ ጉዳይ ንምውሳን ዝህቡዎ ምስክርነት ኣገባብ የብሉን ክብል ክቐርቡ የብሎምን ኢሉ’ሎ።

ጠበቓ ተኸሰስቲ ኣቶ ኣምሃ መኮነን ንኣዋርሕ ክመሓላለፍ ዝፀንሐ እዚ ናይ ምስክራት ኣቀራርባ ቤት ፍርዲ ዝወሰነሉ ኣገባብ ካብ ትፅቢትና ወፃኢ እዩ ኢሎም ኣለው ።

“ሓቂ ንምዝራብ ብወገነና ትፅቢት ዘይገበርኩዎ ውሳነ ስለዝነበረ እቲ ውሳነ ክውሃብ ከሎ ዝተውሃበ ትንታነ፣ንሕና ክፅውዑ ኣለዎም ኢልና ክንውስን ከለና ምስ ዝነበረ ኩነታት ስለዘይኸድ ነቲ ቤት ፍርዲ ርእይቶይ ሂበ ኣለኹ።”

ላዕለዎት ሰበስልጣን ኦሮሚያ ብቤት ፅሕፈት ኦሆዴው ኣቢሎም ክምስክሩ ከምዝደልዩ ገሊፆም እንሃለው ከምዚ ዝበለ ውሳነ ምሃብ ግር ኢሉና’ሎ ክብሉ ወሲኾም ሓቢሮም።

ተኸሰስቲ ነቲ ውሳነ ብምቅዋም ካብቲ ቤት ፍርዲ ዝኾነ ይኹን ፍትሒ ክረኽቡ ትፅቢት ከምዘይገብሩ፣ንሓዋሩ እውን ኣብቲ መጋባእያ ንምርካብ ከምዘይደልዩን ፍርዲ ክህቦም ዝደሊ ወገን ፍርዱ ክህብ ከምዝኽእል ብምሕታት ብዝለዓለ ዓውታ ምዝማር ጀሚሮም።ካልኦት ተኸሰስቲ እውን ሓቢሮምዎም ብምዝማሮም እቲ መጋባእያ ስርሑ ክፍፅም ዘኽእሎ ኩነታት ብዘይምንባሩ ኣብ ልዕሊ ኣርባዕቲኦም ተኸሰስቲ ንቤት ፍርዲ ደፊርኩም ብዝብል ነፍሲወከፎም ብሽዱሽተ ኣዋርሕ ማእሰርቲ ተቀጺኦም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG