ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፈደራል ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ቀ/ሚ ሃይለማርያም ዝርከብዎም ሓሙሽተ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ንምስክርነት ጸዊዑ


ናይ ኢትዮጵያ ፈደራል ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ቀዳማይ ሚንስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ ሓዊሱ ሓሙሽተ ሰበስልጣን መንግስቲ ናይ መከላኸሊ ምስክርነት ክህቡ ዝሃቦ ትእዛዝ ሎማዕንቲ ረቡዕ ደጊሙ ኣዚዙ።።

ቀዳማይ ምንስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝ፣ኣቶ ኣባዱላ ገመዳ፣ኣቶ ለማ መገርሳ፣ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ፣ከምኡ እውን ወ/ሮ ጫልቱ ሳኔ ካብ 27 ጥቅምቲ ክሳብ 29 ጥቅምቲ 2010 ዓ.ም ቀሪቦም ክምስክሩ ነይሩዎም።ይኹን እምበር ቅድም ክብል ናይ መፀውዒ ትእዛዝ ካብቲ ቤት ፍርዲ ስለዘይተፅሓፈ እዚ ድማ ናይቲ ቤት ፍርዲ ጉድለት እዩ ኢሉ’ሎ።

ስለዝኾነ ድማ እቶም ሰበስልጣንን ካብ 17 ክሳብ 19 ታሕሳስ 2010 ዓ.ም ኣብዘሎ እዋን ቀሪቦም ክምስክሩ ወሲኑ’ሎ።

ዓቃቢ ሕጊ ብኽስታት ግብረ-ሽበራ ምስ ከሰሶም ክከራኸሩ ካብ ዝፀንሑ ሓሙሽተ ብነፃ ክሰዶም ከሎ እቶም 17 ንርእሶም ክከላኸሉ ተወሲኑ። ካብኦም ሓደ ኣቶ በቀለ ገርባ ጉዳዮም ብስሩዕ ቤት ፍርዲ ገበን ክሲ ክርአ ምውሳኑ ይዝከር ።

XS
SM
MD
LG