ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጽምብል ልደት 40 ዓመት ህወሓት ኣብ ከተማ መቐለ!


ለካቲት 11 ኣብ ስታድየም መቐለ
ለካቲት 11 ኣብ ስታድየም መቐለ

ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ብረታዊ ቃልሲ ዝጀመረሉ መበል 40 ዓመት ሎሚ ረቡዕ ኣብ ሓድሽ ስታድየም መቐለ ተኸቢሩ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ህወሓት ኣይተ ቴድሮስ ሓጎስ “እቲ በዓል ካብ ታሕሳስ ኣትሒዙ ብዝተፈላለዩ ውራያትን ጽምብልን ክኽበር ፀነሑ ሎሚ ለካቲት 11 ተዛዚሙ” ኢሎም።

ኣቦወንበር ኢህወዴግን ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያን ኣቶ ሃይለማያም ደሳለኝ “ሎሚዘበን ዝካየድ 5ይ ሃገራዊ መረፃ ዴሞክራስያዊ፣ነፃን ፍትሓውን ምእንታን ክኸውን ብስም ሰማእታት ዝኣተናዮ ቃል ንፈፅም” ኢሎም።

ኣቦወንበር ህወሓት ኣይተ ኣባይ ወልዱ ብግዲኦም ክሳብ ሎሚ ተመዝጊቦም ኣብ ዝበልዎም ለውጥታት ተደሪኾም መደረ ኣስሚዖም። “ሓሳብካ ብናፃ ምግላፅ፣ ምውዳብን ምቅዋምን ዝካኣለሉ ጊዜ በፂሕና ኣለና” ኢሎም።

ብዝተኣሳሰረ ዜና ብመሰረት መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝትግብሮ ዘሎ መርሃ ግብሪ ልምዓት፣ መንገዲ ባቡር መቐለ-ቦራ-ወልድያ ምጅማር ህንፀቱ ዘበስር እምነ ኩርናዕ ኣብቲ ዕለት ተነቢሩ’ሎ። እቲ መንገዲ ባቡር ድሕሪ ለስተ ዓመትን ፈረቓን ክውድእ እዩ ተባሂሉ ይግመት።

please wait

No media source currently available

0:00 0:05:35 0:00

XS
SM
MD
LG