ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ድሕሪ ለበዳ ኮቪድ-19 ዝዓብያን ዝንእሳን ዘለዋ ከተማታት ኣመሪካ


ድሕሪ ለበዳ ኮቪድ-19 ዝዓብያን ዝንእሳን ዘለዋ ከተማታት ኣመሪካ
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:03 0:00

ድሕሪ ለበዳ ኮቪድ-19 ዝዓብያን ዝንእሳን ዘለዋ ከተማታት ኣመሪካ

ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ-19፡ ገለ ክፍለ-ሃገራት ኣመሪካ ብዝሒ ነባሪአን ኣዝዩ ዓብዩ’ዩ። እተን ኣብዚ መስርዕ ብቐዳምነት ዝጥቀሳ ፍሎሪዳ፡ ኣይዳሆ፡ ሞንታና ክኾና ከለዋ ብኣንጻሩ ድማ ምስ ለበዳ ኮቪድ-19 ቁጽሪ ነባሪኣን ክውሕድ ዝጀመራ ኒው-ዮርክ፡ ኢሊኖይን ልዊዛናን ምንባረን መዛግብቲ ቆጸራ ህዝቢ ኣመሪካ ይሕብር። እዚ ምልውዋጥ ብዝሒ ነበርቲ ካብ ሓምለ 2020 ክሳብ ሓምለ 2022 ዝተመዝግበ’ዩ።

ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ ምግዕዓዝ ነበርቲ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ገስጋስ ዕብየት ህዝቢ ኣመሪካ’ውን ኣዝዩ ኣሉታዊ ተራ ነይሩዎ’ዩ። ኣብዚ ዝተጠቕሰ ዓመታት፡ ዕብየት ህዝቢ ኣመሪካ እቲ ዝነበሮ ገስጋስ ዝተገትኣሉ’ዩ።

ኣብዚ ክልተ ምኽንያታት’ዮም ይጥቀሱ። ፈለማ፡ ምስቲ ለበዳ ዝተኣሳሰር ብዝሒ ሞት ክኸውን እንከሎ፡ ካልኣይ ድማ መጠን ወሊድ’ውን ደውታ ተራእዩዎ። እቲ ብሳልሳይ ዝጥቀስ ድማ ብዝሒ ምንቅስቓስ ስለ ዘይነበረ፡ ናብ ኣመሪካ ዝመጽኡ በጻሕቲን ስደተኛታትን ኣዝዮም ጎዲሎም። እዚ’ውን ኣብ ምንኣስ መጠን ወሊድ ኣሉታዊ ተራ ገይሩ’ዩ።

ኣብ ትካል መጽናዕቲ ብሩኪንግ ዝሰርሕ ዊልያም ፍረይ፡ ኣብ መንጎ 2020 ክሳብ 2021 ዝነበረ እዋን፡ ኣብ ዕብየት ብዝሒ ህዝቢ ኣመሪካ፡ ኣብ ውሽጢ 100 ዓመታት እቲ ዝነኣሰ ምዃኑ የመልክት።

በቲ ለበዳ ኣዝየን ዝተሃስያ ዓበይቲ ከተማታት ኣመሪካ ነይረን። ምስ ውሸባ ለበዳ ኮቪድ-19 ተተሓሒዙ ዝሰዓበ፡ ምግዓዝ ስራሕን ምዕጻው በበይኑ ስራሓትን ስለ ዝነበረ፡ ዓበይቲ ከተማታት ቀልጢፈን ነበርተን ክስእናን ክንእሳን ተራእየን።

ምስ ለበዳ ኮቪድ-19 ዝመጽአ፡ ሓያሎ ትካላት ብርሑቕ ስራሕ ከካይዳ ስለ ዝኸኣላ ድማ፡ ነቶም ካብ ቦታ ስራሖም ርሒቖም ዝጸንሑ፡ ድሕሪ ምጕዳል እቲ ለበዳ’ውን ንኽምለሱ ኣየገደደን።

ካብ ሓምለ 2021 ክሳብ ሓምለ 2022 ኣብ ዝተገብረ ዳህሳስ ግን እተን ዓበይቲ ከተማታት ቀስ-ብቐስ ነባሪአን ይምለስ ከም ዘሎ የምልክት። ንኣብነት እታ 6% ካብ ብዝሒ ነባሪኣ ስኢና ዝነበረት ከተማ ኒው-ዮርክ፡ ድሕሪ ምቅላል ለበዳ ኮቪድ-19 ተዛማዲ ናይ ምምላስን ዳግም ምብርባርን ተስፋ ተራእዩዋ።

ተመራመርቲ ስነ-ህዝቢ፡ ድሕሪ ከምዚ ምምዝባል ከተማታት ናብ ንቡር ብዝሒ ህዝበን ክምለሳ ከም ዘጸግምን ኣዝዩ ዘገምታዊ ምዃኑን’ዮም ይሕብሩ። ስለዚ ከኣ እተን ምስ ለበዳ ኮቪድ-19 ነበርተን ዝሰኣና ዓበይቲ ከተማታት፡ ናብቲ ዝነበርኦ ክምለሳ ግዜ ዝሓትት ምዃኑ’ዮም እቶም ክኢላታት ይጠቕሱ።

ብዘይካ ለበዳ ኮቪድ-19 ዘምጽኦ ምዝvባዕ፡ ንምዕባይ ገለ ክፍለ-ሃገራት ድርኺት ዝዀነ ካልእ ምኽንያት ድማ ክብሪ መነባብሮ’ዩ። ኣብ ርእሲኡ ድማ ኩነታት ኣየር ኣሎ። ንኣብነት ናብ ፍሎሪዳ ዝግዕዙ ነባሮ እቲ ቀንዲ ምርጫኦም ኩነታት ኣየር ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ዓቢ ዕብየት ዘርኣያ ኣይዳሆን ሞንታንን ድማ እቶም ሓደስቲ መጻእቲ ካብ ካሊፎርኒያ ዝገዓዙ ምዃኖም እቲ ሓበሬታ የረድእ። ካብ ካሊፎርኒያ ናብተን ክልተ ክፍለ-ሃገራት ዘግዕዞም ቀንዲ ምኽንያት ድማ ክብሪ መነባብሮ’ዩ።

ብዘይካ ክብሪ መንባብሮን ለበዳ ኮቪድ-19 ዘምጽኦ ምምዝባልን፡ ካልእ ባህርያዊ ሓደጋታት’ውን ንገለ ክፍለ-ሃገራት ነበርተን ክንእሱ ገይሩ’ዩ። ኣብዚ መዳይ ቀዲመን ዝጥቀሳ ልዊዛናን ኢሊኖይ’የን። ብሰንኪ ተደጋጋሚ ባህርያዊ ሓደጋ ህቦቡላዊ ዝናብን ውሕጅን፡ እዘን ክልተ ክፍለ-ሃገራት ነበርተን ናብ ካልእ ክግዕዙ ይረኣዩ።

ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ኣመሓደርቲ ገለ ክፍለ-ሃገራት ኣብ ምስዳድ ወይ ድማ ሓደስቲ ነበርቲ ኣብ ምስሓብ ተራ ዝጻወት እንተዀይኑ ዝተሓተቱ ክኢላታት፡ ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነትን ምስቲ ብተደጋጋሚ ብመራኸቢ ብዙሃን ዝብሃልን ዝተፈልየ ምዃኑ ብኣብነት ይጠቕሱ። ዓቃባውያን መራሕቲ ዝመጽኡወን ክፍለ-ሃገራት፡ ህዝቢ ገዲፉወን ክኸይድ’ዩ ዝብል ተደጋጋሚ ዘረባ እኳ ዝስምዓ እንተዀነ፡ ናይ ቴክሳስን ፍሎሪዳን ኣመሓደርቲ ብኣብነት ብምጥቃስ፡ ፖለቲካ ክንድኡ ተራ ከም ዘይብሉ እቶም ክኢላታት ይገልጹ። እቲ ካልእ ምኽንያት ዝብሉዎ ግን እተን ክፍለ-ሃገራት ሓደስቲ ስራሕ ናይ ምፍጣር ዓቕመን ኣብ ምውሳኽን ምንኣስን ብዝሒ ህዝቢ ዓቢ ግደ ምህላዉ’ዩ።

ድሕሪ ለበዳ ኮቪድ-19፡ ዓይነትን ኣገባባት ኣሰራርሓን እናተለወጠ ምምጻኡ፡ እተን ዓበይቲ ከተማታት ከም ቀደምን ንዅሉ ደላዪ ስራሕ ክስሕባ ዝኽእላ እንተዀይነን ክኢላታት ስነ-ህዝቢ ኣየመልከቱን። እንተዀነ፡ እዚ ዘሎ ለውጢ ንዝመጽእ ሰለስተ-ኣርባዕተ ዓመታት ክቕጽል ምዃኑ ይግምቱ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG