ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓረስቶት ትግራይ ዝሐሸ ምህርቲ ምርካቦም ይገልፁ


ኣብ ዝበዝሕ ከባቢታት ትግራይ ዝርኸቡ ሓረስቶት ካብ ዝሓለፈ ዓመት ብዝያዳ ዝሐሸ እቶት ከምዝረኸቡ ገሊፆም። ብሳላ እቲ ኣብ ክረምቲ 2008 ዓ.ም. ዝወቐዐ እኹል ዝናብ ኣብዚ ዓመት'ዚ ኣብ ትግራይ ፅቡቕ ምህርቲ ከምዝርከብ ይእመን።

ብፍላይ ኣብ ደጉዓ ተምቤን ጣብያ ዓዲ ኣዝመራ ዝርከቡ ሓረስቶት ዝሓለፈ ዓመት ብሳላ ሓገዝ መንግስቲ ከምዝሓለፍዎ ገሊፆም፤ ሎሚ ዓመት ግን ንባዕሎምን ጥሪቶምን ዝሐሸ ምህርቲ ኸምዝረኸቡ ገሊፆም።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዓፂድ ዝወፈሩ ሓረስቶት ጣብያ ዓዲ ኣዝመራ ቁሸት ሰሰማት ሰናይ ክራማት ምንባሩ ሓቢሮም ፅቡቕ ምህርቲ ክረኽቡ ከምዘተስፈዉ ገሊፆም።

ሓረስቶት እቲ ከባቢ ፀገም ፅሩይ ዝስተ ማይ ከምዘይብሎምን ኣብዚ ሐዚ እዋን ደቆም ኣብ ጥቓኦም ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ የምህሩ ምህላዎም እውን ይዛረቡ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኽኣል።

ሓረስቶት ትግራይ ዝሐሸ ምህርቲ ምርካቦም ይገልፁ
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:33 0:00

ሓረስቶት ትግራይ ዝሐሸ ምህርቲ ምርካቦም ይገልፁ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:51 0:00

XS
SM
MD
LG