ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ሓረስታይ ትግራይ ንብረቱ ዓንዩ፣ኣውዕሩ ተሓሪዶምን ተዘሪፎምን ኣብ ዘሕዝን ኩነታት ወዲቑ ኣሎ' ሓላፊ ቢሮ ሓርሻ ክልል ትግራይ


እዋኑ ናይ ክራምት እዋን ሓረስታይ መሬቱ ዝሓርሰሉን ዝዘርኣሉን እዩ።ትግራይ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ኣብ ዘላትሉ እዋን ሓረስታይን ሕርሻን ትግራይ ኣብ ዘሕዝን ኩነታት ይርከብ ኢሎም ኣብ ግዚያዊ ምምሓድር ክልል ትግራይ ሓላፊ ቢሮ ሕርሻ ዶክተር ኣባዲ ግርማይ።

ሓረስታይ ትግራይ ወራር ኣንበጣ ኣሕሊፉ ፍሪያቱ ከይኣከበ ኵናት ተወሊዑ ምህርቱ ተዘሪፉን ተቓፂሉን ካብ መረበቱ ተመዛቢሉን ፈቖዶ ተበቲኑን ኣዚዩ ኣብዘሕዝን ኩነታት ይርከብ ኣሎ ኢሎም። ሓረስታይ ትግራይ ብወታደራት ኤርትራ ኮላይ ናይ ሕርሻ ናውቱን ጥሪቱን ሓዊሱ ንብረቱ ዓንዩ፣እንስሳታቱ ፍርቀን ተቓፂለን፣ተዘሪፈንን ፍርቀን ድማ ተሓሪደንን እየ ዝበሉ ዶክተር ኣባዲ ኣብ ሳምረ ፍረታት ተኽሊ ሓረስቶት ምስተበልዑ ከምዝተጨፍጨፉ ሓቢሮም።

ኣብ ቀረባ ግዜ ድማ ሓረስቶት ብወታደራት ኤርትራ ግራውቶም ከይሓርሱ ከምዝተኸልከሉ ገሊፆም። ኣርዑት፣ነዊት፣ማሕረሻ ተቓፂሉ ተወሲዱ እቲ ገባር ጥራሕ ኢዱ ተሪፉ ኣሎ እውን ኢሎም።ስለዝኾነ ድማ ዳያስፖራ ተወለድቲ ትግራይን ካልኦት ክሕግዙ ፀዊዖም ኣለው ዶክተር ኣባዲ።

ብዛዕባ ሕርሻ ንምዝራብ ዘርእን ሕርሻን ክገጣጠሙ ኣለዎ ዝበሉ እቶም ሓላፊ ቢሮኦም ዘርእን ዘመናዊ ዱኽዕን ንምቕራብ እናተንቀሳቐሰ ከምዝርከብን ናብትግራይ ንምእታዊ ካብዝተትሓዘ 800,000 ኵንታል ዱኽዒ ዛጊድ ኣስታት 220,000 ናብ ትግራይ ኣትዩ ኣሎ እቲ ዝተረፈ ንምእታው እናተንቀሳቐስና ኢናኢሎም። ዝተወሰና ናይ ምዝራእን ምሕራስን ምንቅስቓሳት ከምዘሎ እውን ገሊፆም ኣለው።

ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ 3,750 ኵንታል ዘርኢ ንትግራይ ለጊሱ ኣብ ቆቦ ንዘይምሕላፍ ፈተነ ተገይሩ ድሕሪ ቓልሲ ከምዝተሰደደን ብድሕሪኡ ግን ዘጋጠመ ፀገም ከምዘየልን ሓቢሮም።

ብዛዕባ ኤርትራዊያን ወታደራት ይፍፅምዎ ኣለው ዝተብሃለ ኽልከላ ሪኢቶ ንምርካብ ኒው ዮርክ ናብ ዝርከብ ቆንስላ ኤርትራ ናብ ኣቶ ኣማኑኤል ጆርጂዮ ስልኪ ደዊልና መልሲ ኣይረኸብናን።ቅድሚ ሎሚ ግን መንግስቲ ኤርትራ ብሓይልታት ኤርትራ ተፈፂሞም ንዝብሃሉ ኩሎም ክስታት ኣሉታ ክህበሉ ጸኒሑ እዩ።

ተመራማራይ ሃፍቲ ተፈጥሮ፣ኩነታት ኣየርን ሓበሬታ መሬትን ዶክተር ኣባዲ ግርማይ ቅድም ክብል ኣብ ኢንስቲቱት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ብምርምር ዝሰርሑ ዝነበሩ
ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ብፌደራል መንግስቲ ናይ ዝተሸመ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሓላፊ ቢሮ ሕርሻ ብምዃን ኣብ ምስራሕ ይርከቡ።

ዝርዝሩ ብምድፂ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG