ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣድማ ሓረስቶት ኤውሮጳ ቀጺሉ


ኣድማ ሓረስቶት ስጳኛ
ኣድማ ሓረስቶት ስጳኛ

ኣብ ፈረንሳ ዝጀመረ ኣድማ ሓረስቶት ኤውሮጳ መጠናዊ ህድኣት ገይሩ ድሕሪ ምጽናሑ፡ ናብ ስጳኛን ግሪኽን ልሑሙ'ሎ። ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሓረስቶት ስጳኛ ትራክተራት ብምሓዝ ናብ ርእሰ-ከተማ ማድሪድ ገስጊሶም ኣለዉ። ብተመሳሳሊ ኣብ ግሪኽ፡ ኣስታት ሽዱሽተ ሽሕ ሓረስቶት 200 ዝበጽሓ ትራክተራቶም ሒዞም ናብ ኣቴንስ ድሕሪ ምምራሾም ንምንቅስቓስ እታ ከተማ ዓጽዮም ኣለዉ። እቶም ሓረስቶት ምረሻኦም ናብ ፓርላማ እታ ሃገር’ዩ። ሓረስቶት ግሪኽ ሕቶኦም ክሳብ ዝምለሰሎም ካብቲ ማእከል ከተማ ከም ዘይለቁ የጠንቅቑ ኣለዉ።

ሕቶ እቶም ሓረስቶት ዝሓሸ ዋጋን ውሕስነትን ክረኽቡ ዝጠልብ’ዩ። ወሰኽ ዋጋ ነዳዲን ለውጢ ክሊማን ኣብ እቶት ዓቢ ተጽዕኖ ከም ዘሕደረ ዝገልጹ ሓረስቶት፡ ነቲ ዝተፈጥረ ጋግ ንምምላእ መንግስቲ ድጎማ ክግበር፡ ካብ ወጻኢ ብሕሱር ዋጋ ዝኣቱ ፍርያት ክልከላ ክግበርን ዋጋ ፍርያት ክውስኽን ይሓቱ።

ኣድማ ሓረስቶት ኤውሮጳ ብፈረንሳ ዝጀመረ ኰይኑ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ጋብሪኤል ኣታል፡ ሃገሩ ንጠለባት ሓረስቶት ዘውሕስ ሓድሽ ሕጊ ኣብ ምንዳፍ ከም ዘላ ኣመልኪቱ'ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG