ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ማሕበራት ሓረስቶት፣ንውግእ ፀረ-ጥምየት ይሕግዛ


ሓረስቶት ጃቫ
ሓረስቶት ጃቫ
ማሕበር ሓረስቶት ኣብ ውግእ ፀረ-ጥምየት ኣገዳሲ ተራ ከምዘለዎም ፕሮግራም መግቢን ሕርሻን ዓለም ዘካየዶ መፅናዕቲ ኣረጋጊፁ።

ሓላፊት መግቢን ሕርሻን ዓለም ኢቭ ክራውለይ፣ማሕበራት ሓረስቶት ማሕበራዊ ሸቶታት፣ዓቅሚታት ምውድዳን ንቀፃላይ ረብሓታትን ዝኣመታ ስለዝኾና ኣዝየን ረባሕቲ‘የን ይብላ።

”ናይ‘ተን ሰለስተ ሚእቲ ዓበይቲ ማሕበራት ዓቅሚ ናብ ሓደ ደሚርካ ምስ ትሪኢ‘ኳ፣ኣብ ሓደ ዓመት ክሳብ 1.1 ቢልዮን ዶላር ኮይኑ ኢኻ ትረኽቦ። እዚ ማለት ድማ፣ብግምት ናይ‘ታ ናይ ዓለምና ዓስረይቲ ቁጠባ ዘለዋ ካናዳ ቁጠባ ኮይኑ‘ሎ ማለት‘ዩ” ይብላ ንሰን።

ማሕበራት ሓረስቶት፣ብፈቃዶም ኣባላት ንክኾኑ ዝተወደቡ ውልቀ-ሰባት ዝርከቡሉ ዴሞክራስያዊ ውዳበ‘ዩ።ኢቭ ክራውልይ ንቪኦኤ ክዛረባ ከለዋ፣ ኣብ ዓለምና ሓደ ቢልዮን ኣባላትን ሚእቲ ሽሕ ዕድል ዝፈጠራ ማሕበራት ሓረስቶት ኣለዋ ኢለን።

ብመሰረት ሕ/ሃ፣ካብ ሸውዓተ ሰባት እቲ ሓደ ብጉድለት ኣመጋግባ ዝሳቀየ‘ዩ።እዞም ናእሽቱ ሓረስቶት ድማ፣ነቲ ዝድለ መግቢ ዘፍርዩ‘ዮም።እዚ ዕድል‘ዚ ብሕልፊ በዝሒ ህዝቢ ዓለም ኣብ ዝቅፅላ 35 ናብ ትሻዓተ ቢልዮን ኣብ ዝቃረበሉ ማሕበራት ሓረስቶት ርኡይ ተራ ኣለወን።

ፅንኩር ቁጠባዊ ኩነታት ንምስጋር ማሕበራት ሓረስቶት ኣገደስቲ‘የን ዝብላ ኢቭ ክራውለይ፣እዚ ድማ፣ዋጋ እኽሊ ሰማይ ኣብ ዝዓረገሉ እዋን ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ንግዲ ንህልውና ኣብ ዝተቃለስሉ እዋን ጋህዲ ኮይኑ‘ዩ ኢለን።ማሕበራት ሓረስቶት ንፀገም ዝፃወራ ምኻነን‘ውን ጠቂሰን፣

Crowley ወሲኸን ”ንህልውና ኣባላተን‘የን ቀዳምነት ዝሰርዓ።ስለዚኾነ‘ዩ፣ኣብ ክንዲ ግምታዊ ኣሰራርሓ፣ኣብ ክውንነት‘የን ዝምርኮሳ።ቅልውላው ከጓንፍ ከሎ ድማ፣ሕፅረት ገንዘብ ኣሎ እንተኾይኑ፣ኣባላተን ንብፅሒቶም ነክዮም ማሕበሮም ከድሕኑ እዮም ዝውስኑ በላ።

ኣብ ኣክሽን ግሩፕ ሓላፊ ጨንፈር ኣፍሪቃ ሄንርይ ማሉሞ ብወገኑ፣ ማሕበራት ሓረስቶት፣ድምፂ ሓረስቶት ንክስማዕ ቀንዲ መድረኽ‘ዮም ይብል።

ኣክሽን ኤይድ፣ሰፍሓቲ መርየት ንኮርፖሬሽናትን ንመንግስታትን ብሕጊ ሊዝ እንተተኻርዩ፣ንናእሽቱ ሓረስቶት ፀገም ከምዝፈጥረሎምን ይዛረብ።ምስ ማሕበራት ተሓባቢርካ ምስራሕ እንተተኻኢሉ ግና፣ኣባላት መሰሎም ክዕቅቡ ይኽእሉ‘ዮም ይብል።

ንሱ ወሲኹ ”ውድብ ድምፂ ስለዝኾነ ግና፣ንዘጋጥሞም ብድሆታት ገዘፍቲ ኮርፖሬሽናት፣ ንዘይሕጋዊ ክፍሊት መንግስቲ ክጋጠሙ ዓቅሚ ይረኽቡ። ሕርሻዊ መርየታት ድማ ንጥቅሚ‘ቲ ማሕበረ-ሰብ ክውዕል‘ዩ።ስለዚ ሓረስቶት፣ወነንቲ መርየቶምን ተረባሕቲን ክኾኑ‘ዮም” ይብል።

ኣብ ድኻ ሃገራት ዝተመስረታ ማሕበራት ሓረስቶት፣ንብርክት ዝበሉ ሰባት ካብ ድኽነት ኣናጊፈን‘የን ዝብሉ ሚስተር ማሉሞ፣እንተኾነ ደቂ-ኣነስትዮ ኣብ‘ዘን ማሕበራት ማዕረ ተሳታፍነት ኣይረኸባን ዘለዋ ይብሉ።ማሕበራት ሙሉእ ዓቅመን ፀንቂቀን ክጥቀማ እንተኾይነን፣ንተሳትፎ ደቂ-ኣነስትዮ ክጥቀማ ኣለወን ኢሎም።
XS
SM
MD
LG