ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋዕላ ሪኦ ዲ ጃኔሮ ንዘላቅነት መግቢ ክዝቲ ይግባእ ይብል ውድብ መግቢን ሕርሻን ዓለም


ውድብ መግቢን ሕርሻን ዓለም፣ጥምየትን ጉድለት ምግብናን ከይጠፍአ ቀፃላይነት ምዕባለ ክረጋገፅ ኣይኽእልን ይብል።ፋኦ ኣብ ዘውፀኦን እትንምነዮ መፃኢ ጊዜ ዘርእስቱን ሪፖርት ፖሊሲ፣ኣብ ምሕደራ መግቢን ሕርሻን መሰረታዊ ለውጢ ክትግበር ይጠልብ።

ኣብ ፋኦ ላዕለዋይ ኪኢላ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ኣልበርቶ ሳንዶቫል ”መግቢ ነፍርየሉን ናብ መኣዲ ነቅርበሉን ኣገባብ ለውጢ ክንገብረሉን ጥምየት ነቃብፀሉን ኣገባብ ክንምህዝን ይግባእ።ብኡ ኣቢልና ንድኽነት ነኪና፣ኣብ መፃኢ ዓመታት ጥዕንኡ ዝተሓለወን ፅቡቅ ዝተመገበን ማሕበረ ሰብ ክህልወና‘ዩ ማለት‘ዩ” ይብሉ።

ሚስተር ሳንዶቫል፣ኣብ ሰንሰለት ፍርያት መግቢ ኣዝዩ ብዙሕ ፀጋ ኣለና‘ዩ ይብሉ።ስሳ ሚእታዊ ማያዊ ፀጋ፣ኣብ ፍርያት መግቢ ይውዕል።ሰላሳ ሚእታዊ ግሪንሃውስ ካብ ዘፈር መግቢ‘ዩ ዝልሑኽ።ሰላሳ ሚእታዊ ኤኔርጂ ወይ ሓይሊ ዓለም ኣብ ስራሕ መግቢ ይውዕል።ሲሶ ኢድ መግቢ ብደረጃ ዓለም ይባኽን‘ሎ።እዚ ማለት ይጓሓፍ‘ዩ ዘሎ ኢሎም።

ዋዕላ ሪኦ ቅድሚ ዕስራ ዓመት ካብ ዝሳለጥ ንነዘ፣ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ተፈፂሞም‘ዮም ዝብል ፋኦ፣እንተኾነ ሕመረት‘ቲ ዋዕላ ዝነበረን ”ቀንዲ ማእከል ስሕበት ኩሎም መደባት ቀፃልነት ምዕባለ፣ደቂ-ሰባት‘ዮም”ዝብልን ኣምር ኣይተኸብረን ይብል።

ሎሚ ኣብ ጥቅሚ ይውዕል ዘሎ ኣገባብ ፍርያት ሕርሻን መግቢን፣ንከባቢ ፀር ስለዝኾነ ዳርጋ ፍሹል‘ዩ ይብል ፋኦ።ሓሙሽተ ሚልዮን ናዕሽቱ ሓረስቶት ድኻ ሃገራት፣ብርክት ዝበሉ ፀገማትን ሕፅረትን ኣጓኒፍዎም ከምዘሎ እቲ ሪፖርት ይሕብር።

ኣብ ፋኦ ኪኢላ ሃናፂ መግቢታት ፍሎረንስ ኤግል ብወገና፣ጉድለት ኣመጋግባ ንከብቅዕ ዝተማለአ መግቢ ምርካብ ግድን‘ዩ ትብል።እንተኾነ ዝተማለአ መግቢ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ዝተፈለየ ትርጉም ከምዝሕዝ‘ውን ትጠቅስ።

ኣብ ዘፈር ሕርሻ ዝምዝገብ ዓወት፣ንሓረስቶት ጥራሕ ዘይኮነ ንካልኦት‘ውን ከምዝረብሕ ንሳ ገሊፃ።”መርየት ወይ ሰራሕተኛ ዝረኽቡ ሰባት፣መኽሰብን ንእኽሊ ናብ መግቢ ቀይሮም ንቁጠባዊ ምዕባለ ኣዎንታዊ ፅልዋ ኣለዎም።ብመንፅር ምፍጣርን ምዕቃብን ዕድል ስራሕ‘ውን እንተኾነ ጥቅሚ ኣለዎ።ስለዚ ቁጠባዊ፣ ማሕበራዊን ከባቢያዊን ፅፍሕታቱ‘ውን ምርኣይ ፅቡቅ‘ዩ” ትብል ንሳ።

ውድብ መግቢን ሕርሻን ዓለም ኣብ ዘውፀኦ ሪፖርት፣ፕሮግራም ማሕበራዊ ሓለዋ፣ናይ ሓፂር ጊዜ ረብሓ እናዓቀቡ፣ንዘላቅነት ሸቶታት ምዕባለ ከቀላጥፉ ከምዝኽእሉ ይሕብር።ንፁራት ፕሮግራም ብምሕንፃፅ፣ንፅንኩራት ሕፅረት መግቢ ምውጋድ ከምዝካኣል‘ውን ይጠቅስ።

ቁፅሪ ህዝቢ ዓለም ኣብ ዝቅፅሉ ኣስታት ኣርባዓ ዓመታት፣ብክልተ ቢልዮን ወሲኹ ናብ ትሻዓተ ቢልዮን ክበፅሕ‘ዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።ብመሰረት‘ቲ ሎሚ ዘሎ ፍርያት መግቢ ድማ፣ድልየት ህዝቢ ዓለም ንምምላእ፣ፍርያት ብስሳ ሚእታዊ ክውስኽ ኣለዎ።ኣኼባ ሪኦ ዲ ጀኔሮ ድምር ዕስራ ድሕሪ 15 መዓልቲ ክኽፈት‘ዩ።

XS
SM
MD
LG