ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፋኦ: ወራር ዕስለ ኣንበጣ ምብራቅ ኣፍሪቃ ኣብ ቁፅፅር ክውዕል እዩ ኢሉ


ውድብ መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት/FAO/ ንምብራቕ ኣፍሪቃ ዝወረረ ከቢድ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ መወዳእታ እዚ ሒዝናዮ ዘለና ናይ ኣውሮጳዊያን ኣቆፃፅራ ኣብ ቁፅፅር ክውዕል እዩ ኢሉ። ኣብ ውሽጢ ርብዒ ክፍለ ዘመን ዝተራእየ እዚ ዕስለ ኣምበጣ እቲ ዝኸፍአ ወራር ምዃኑን ኣብ ዘራእቲ ናይቲ ዞባ ሓረስቶት ከምዘዕነወ ሕቡራት ሃገራት ገሊፁ ኣሎ።

ድሕሪ ኣንበጣ ክራባሕ ጥጡሕ ባይታ ዝፈጠር ንነዊሕ ኣዋርሕ ዝፀንሐ ከቢድ ዝናብ ኢትዮጵያ ምህርቲ ኣብ ምእካብ ትርከብ።

ብመሰረት ውድብ ምግብን ሕርሻን /FAO/ 15 ጥቅምቲ ዘውፅኦ ዳሕረዋይ ገምጋም ኣብ ቀረባ ኣብ ምብራቕ ኣምሓራ፣ ደቡብ ምብራቕ ትግራይን ምብራቕ ኦሮሚያን ኣንበጣ ኣብ ልዕሊ ዘራእቲ ሰፊሕ ዕንወት ኣውሪዱ።

ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ክልል ሶማሌ ከምኡ እውን ኣብ ኬኒያን ኡጋንዳን እውን ስግኣት ወራር ኣንበጣ ስኽፍታ ኣሕዲሩ ኣሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ ፕሮግራም ኦፊሰር ጃኮፖ ዳመሊዮ እኹል ፀረ ባልዕ መድሓኒት ምህላውን መድሓኒት ዝንፅጋ ነፈርቲ ይመፅኣ ብምህላወንን እኹል ገንዘብ እውን ብምምዳቡን ዕዉት መወዳእታ ዓመትክኸውን ተስፋ ኣሕዲሩ ኣሎ።

‘’ኣብ ፍርቂ ሕዳር ካብ 9 ክሳብ 10 ነፀግቲ ነፈርቲ ክህልውና እየን።ኣብ መወዳእታ ወርሒ 2020 ኣብ ምቁፅፃር ባልዕ ዓብይ ምዕባለ ክንሪኢ ኢና’’ ኢሎም ዳመሊዮ።

ኣብ መጀመሪያ ሰሙን ጥቅምቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተገዝኣ ክልተ ነፀግቲ ነፈርቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዓቐብን ቁልቁልን ዝበዝሖ ጎቦታት ንምብራር ተፀጊመንተሓምሺሸን።ኣብ ክልቲኡ ሓደጋ ሞት ኣጋጢሙ እንተኾይኑ ግን ሪፖርት ኣይቀረበን።

ናይ ፋኦ ነፋሪት እውን ብሰንኪ ቴክኒካዊ ፀገም ተቐሚጣትርከብ።ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ስራሕ ትርከብ ሓንቲ እያ።

ናይ ምቁፅፃር ስርሒት ኣብ ኢትዮጵያ ጥራሕ ሓደ ሚሊዮን ቶን ዝግመት ዘራእቲ ከምዝድሓነን እንስሳት ብምርባሕ ዝናበሩ ፍርቂ ሚሊዮን ሰባት ድማ እንስሳቶም ምቅላቦም ቀፂሎም ከምዘለውንዳመሊዮ ይገልፁ።

ኣብ ምንስቴር ሕርሻ ዳይረክተር ሓለዋ መሬት ታምሩ ከበደ መንግስቲ ካብ ኣንበጣ ንምክልኻል ንዝሰርሑ ሓረስቶት ይሕግዝ ኣሎ ኢሎም።

ሓረስቶት ጡሽን ድምፅን እናተጠቐሙ ኣንበጣ ካብ ገርሁቶም ከምዘባርሩ ዝገለፁ ኣቶ ታምሩ ምንስቴር ሕርሻ ናይ መከላኽሊ መሳርሒን ብኢድ ዝሰርሕ መንፅጊን ከምዘከፋፈለ ገሊፆም።

ኣብ ኢትዮጵያ ውድብ ምግብን ሕርሻን 47.3 ሚሊዮን ዶላር ረኺቡ ኣሎ።እዚ ድማ ክሳብ ዝቕፅል መጀመሪያ ዓመት ንዝህሊ ስራሕ ዝሽፍን እዩ።

XS
SM
MD
LG